Fana: At a Speed of Life!

ሽም 502 ሓለፍቲ ኣብያተ ዕዮ ዝሓዙ ማህተማት ሓዊሱ ተግባር ገበን ዝፍፀመሎም ዝነበሩ ናውቲታት ተታሒዞም

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሽም 502 ሓለፍቲ ኣብያተ ዕዮ ዝሓዙ ስኑዓት ማህተማት ሓዊሱ ተግባር ገበን ዝፍፀመሎም ዝነበሩ ናውቲታት ተታሒዞም።

ፖሊስ ፌዴራልን ኣዲስ ኣበባን ኣብታ ከተማ ንራብዓይ ሰሙን ብዘካየድዎ ኦፕሬሽን ተጠርጠርቲ ኣብ ቁፅፅር ከምዘውዓሉ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ኣፍሊጦም።

ኣብቲ መግለፂ፥ ኣብ ሳልሳይ ሰሙን ኦፕሬሽን ብዙሓት ተጠርጠርቲ ዝሓዘ 728 መዛግብቲ ክሲ ኣዳሊና ኣለና ኡሎም።

ሓላፊ መምርሒ ፖሊስ ክፍለ ከተማ አራዳ ረዳት ኮሚሽነር ሞቱማ ሲና፥ ብመሰረት ዝተገበረ ሃንደበታዊ ተፍቲሽ ዝተፈላለዩ ሰነዳት ኣምሲሎም እንትሕትሙ ዝነበሩ ኣባይቲ ከምዝተረኸቡ ገሊፆም።

እቶም ኣባይቲ ኣብ ውሽጦም ሽም 502 ሓለፍቲ ኣብያተ ዕዮ ዝሓዙ ማህተማት፣ 26 ጥቕላል ገፅ፣ 85 ሺሻ ገዛውቲ፣ 925 ጠላዕ መፃወቲ ናውቲታት ከምዝተትሓዙ ኣብሪሆም።

ብመራኦል ከድር

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.