Fana: At a Speed of Life!

ቀ/ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ጥንታዊ ቤተ-መንግስቲ ፋሲለደስ ዑደት ገይሮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ከተማ ጎንደር ዝርከብ ጥንታዊ ቤተ-መንግስቲ ፋሲለደስ ዑደት ገይሮም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣብቲ እዋን ዑደት÷ “ኣብዚ ቦታ ኣቦታትና ዝሰርሑዎ ኣዚዩ ዘደንቕ ጥበብን ናይ ኢድ ስራሕን ይረአ” ኢሎም፡፡

“ፋሲለደስ፣ ኣኽሱም፣ ላሊበላን ካልኦት ጥንታዊ ሓድጊታትን እንትንርኢ፤ ብስእነት ሓሳብ ዘይተትሓዙ፣ ዓቕሚ ፣ ፍልጠትን ጥበብን ካብዘለዎ ምምፃእ፤ ምስትንታን፣ ምድማር ዝኽእሉ ኣቦታት ከምዝነበሩ የርኢ” ክብሉ ገሊፆም፡፡

ኣፈላላይ ኣመለኻኽታ ፖለቲካ፣ ቋንቋን እምነትን ክህሉ ከምዝኽእል ዝሓበሩ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ “ቤተ-መንግስቲ ፋሲለደስ ግን ሃፍትና እዩ፤ ክንሕልዎ፤ ናብ ወለዶ ክነመሓላልፎ ይግባእ” ኢሎም፡፡

መሸጣ መፅሓፍ ‘መደመር’ ንፅገና እቲ ሓድጊ ክውዕል ዝተገበረሉ ዕላማ እውን “ምስራሕ እኳ እንተዘይከኣልና እቲ ጥበብ ተረዲኡና ፀጊንና ንወለዶ ክነሰጋግሮ አለና” ዝብል ሓሳብ ስለዘሎ ከምዝኾነ ኣመልኪቶም፡፡

ቤተ-መንግስቲ ፋሲለደስ ወቂቡ ናብ ወለዶ ንኽሰጋገር ምስ ህዝቢ ብምትሕብባር ከምዝስራሕ ዘለዎም እምነት ገሊፆም፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.