Fana: At a Speed of Life!

በዓል መዓልቲ ብሄራት ብሄረሰባትን ህዝቢታትን ኣብ ክልል ሃረሪ ተኸቢሩ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 27 ሕዳር፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)መበል 16 በዓል መዓልቲ ብሄራት ብሄረሰባትን ህዝቢታትን ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ሃረሪ ብዝተፈላለዩ ስነ-ስርዓታት ተኸቢሩ።

እቲ በዓል “ሕውነታዊነት ንህብረ ብሄራዊ ሓድነት” ብዝብል መሪሕ ቃል ኢዩ ተኸቢሩ ዘሎ፡፡

ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ኣይተ ኦድሪን በድሪ፥ እቲ በዓል ሓቀኛ ስርዓት ፌዴራሊዝም እናተተግበረሉ ኣብ ዝርከብ እዋን ምኽባሩ ፍሉይ ከምዝገብሮ ገሊፆም፡፡

ብሄራት ብሄረሰባትን ህዝቢታትን ኢትዮጵያ ሓደ ኮይኖም ኣብ ምኽባር ሉኣላዊነት ኢትዮጵያ ክተግሁ ኣለዎም ዝበሉ እቶም ርእሰ ምምሕዳር፥ ኣብ ክልል ሃረሪ ብታሪኽ ተራኢዩ ብዘይፈልጥ መልክዑ ናብ ሰራዊት ምክልኃል ዝፅምበሩ መናእሰይ ቁፅሮም እናወሰኸ ከምዝመፅአ ሓቢሮም፡፡

ኣፈ ጉባኤ ክልል ሃረሪ ኣይተ ሱልጣን ኣብዱሰላም ብግደኦም፥ እቲ በዓል ናብ ሲኦል ክኸይድ ኢየ ዝበለ ኣካል ናብ ሲኦል እናተፋነወ ኣብ ዝርከበሉ እዋን ዝኽበር ምዃኑ ፍሉይ ከምዝገብሮ ኣብሪሀን።

ብእዮናዳብ አንዱዓለም

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.