Fana: At a Speed of Life!

በዓል ዓወት ዓድዋ በቢጊዚኡ ተሸሪፎም ዘይውድኡ ረቂቕ ሚስጥር ዘለዎ ዓወት ኢዩ-ወ/ሮ ሙፋሪያት ካሚል

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)በዓል ዓወት ዓድዋ በቢጊዚኡ ተሸሪፎም ዘይውድኡ ረቂቕ ሚስጥር ዘለዎ ዓወት ኢዩክብላ ሚኒስትር ሰላም ወ/ሮ ሙፋሪያት ካሚል ገሊፀን።

እተን ሚኒስትር ” ብስልጡም ልዝብ ሓዱሽ ምዕራፍ ተስፋ” ብዝብል ርእሲ ንሰለስተ መዓልታት ክካየድ ዝፀንሐ መድረኽ ዘተ ብዝምልከት ኣብ ዝሃብኡ ጋዜጣዊ መግለፂ ኢዩ።

ወይዘሮ ሙፈሪሃት ካሚል፥ እቲ መድረኽ በዓል ዓድዋ ተሓሳቢ ብምግባር መሰረታዊ ትሕዝቶታት እቲ መድረኽ ምስ ዓወት ዕድዋ ንምትእስሳር ተሓሲቡ ዝተዳለወ ኢዩ ኢለን።

በዓል ዓወት ዓድዋ በቢጊዚኡ ተሸሪፎም ዘይውድኡ ረቂቕ ሚስጥር ዘለዎ ዓወት ኢዩ ኢለን።

ካብ በዓልነቱ ብዝዘለለ ንመላእ ፀለምቲ ህዝብታት መፍለዪ ዝኾነ ድሙቕ ታሪክ ኢዩ ክብላ እውን ገሊፀን።

እቲ መድረኽ ብሄራዊ ምርድዳእ ንምፍጣር ልዑል ኣስተዋፅኦ ከምዘለዎ ብምግላፅ፥ ተመሳሰልቲ መድረኻት ዘተ ኣብ ቀፃሊ እውን ከምዝዳለዉ ሓቢረን።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ
ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.