Fana: At a Speed of Life!

“በዓል ዓወት ዓድዋ ንዘጋጠሙናን ንዝገጥሙናን ፀገማት መውፅኢ ገይርና ክንጥቀመሉ ይግባእ”  – ነበርቲ ክልል ትግራይ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ለካቲት ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)“በዓል ዓወት ዓድዋ ንዘጋጠሙናን ንዝገጥሙናን ፀገማት መውፅኢ ገይርና ክንጥቀመሉ ይግባእ”  ክብሉ ነበርቲ ክልል ትግራይ ገሊፆም።

መበል 127 ዓመት በዓል ዓወት ዓድዋ ድሕሪ ክልተ ዓመታት ኣብ እግሪ ታሪኽ ዝተፀሓፈሉ ሶሎዳ ዓድዋ ብድምቀት ይኽበር ኣሎ፡፡

በዓል ዓወት ዓድዋ እንትኽበር ሓንድነትና ብሓባር ጠጠው ምባልን ብምጉላህ ክኸውን ከምዝግባእ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ዘዘራረቦም ነበርቲ ኣመልኪቶም፡፡

ምስጢር ዓወት ዓድዋ ሓድነትን ምትሕብባርን ከምዝኾነ ብምዝኽኻር፥ ሕዚ እውን ኢትዮጵያ ብምትሕብባር ጠጠው ክትብል ከምትኽእል ገሊፆም።

ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝተኻየደ ኲናት ብዙሕ ማሕበራዊ ምስቅልቃል ዝፈጠረን ክኸውን ዘይግበኦን ከምዝነበረ ዝሓበሩ እቶም ነበርቲ፥ ድሕሪ እቲ ስምምዕነት ዝተረኸበ ሰላም ክፀንዕ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።

ኣብ ዝስርሑ ስራሕቲ ዳግመ ህንፀት ኢትዮጵያዊያን ንኽሳተፉ ሓቲቶም።

በዓል ዓወት ዓድዋ፤ ዓወት ኣብ ዝተዓተረሉ ቦታ ብድምቀት እናተኸበረ እንትኸውን፥ ምርኢት ጎደና፣ ስራሕቲ ኪነ-ጥበብን ዝተፈላለዩ መልእኽቲታትን ከምዝቐርቡ ዝወፅአ መርሃ ግብሪ የረድእ።

ብኣፈወርቅ እያዩ

#Ethiopia #Adwa #Victory

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.