Fana: At a Speed of Life!

ብሄራዊ ግልጋሎት ሓበሬታን ድሕንነትን ንማእኸላት መቄዶንያን ጌርጌሴኖንን ሓገዝ ገንዘብ ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሄራዊ ግልጋሎት ሓበሬታን ድሕንነትን ሰራሕተኛታቱን ንማእኸል መሕብሐቢ ኣረጋውያንን ሕሙማት ኣእምሮን መቄዶንያን ማእኸል መሕገዚን መከናኸኒን ሕሙማት ኣእምሮ ጌርጌሴኖንን ሓገዝ ገንዘብ ገይሮም።

እቲ ግልጋሎትን ሰራሕተኛታቱን ዝገበሩዎ ልዕሊ 500 ሺሕ ብር ሓገዝ ዘረከቡ ተወካሊ እቲ ትካል÷ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ኣብ ፀገም ዝወደቑ ዜጋታት ምሕጋዝ ልዑል ዕግበት ዝህብ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ብምዃኑ ድማ እቲ ግልጋሎት ከምዚ ዝበለ ሓገዝ ብዝተወደበ መገዲ ንምውጋን ዘኽእል ስራሕ እናሳለጠ ከምዝርከብ ሓቢሮም፡፡

ሰራሕተኛታት እቲ ግልጋሎት እውን ዓቕመ ደካማታት፣ ሓጋዚ ዘይብሎም ኣረጋውያንን ብምዝካር ንወገን ዝበፅሕ ወገን ብዝብል ተበግሶ ሓገዝ ከምዝገበሩ ኣመልኪቶም፡፡

ማእኸል መሕብሐቢ ኣረጋውያንን ሕሙማት ኣእምሮን መቄዶንያን ማእኸል መሕገዚን መከናኸኒን ሕሙማት ኣእምሮ ጌርጌሴኖንን ብግደኦም በቲ ትካል ንዝተገበረሎም ሓገዝ ኣመስጊኖም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.