Fana: At a Speed of Life!

ብሞባይል ባንኪንግ ዝፍፀሙ ምጭብርባራትን መገዲታት ጥንቃቐን

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ምህዳር ሳይበር ሒዙዎም ካብ ሞንጎ ዝመፅኡ ፅቡቓት ኣጋጣሚታት ሓደ በቢመዓልቱ ንገብሮም ዕድጊታት ክፍሊት ንምፍፃም ጥረ ገንዘብ ካብ ምጥቃም ብዲጂታል ስርዓት ክፍሊት ስርዓት ምፍፃም ምኽኣል ኢዩ፡፡

ይኹን እምበር ዲጂታል ኣማራፂታት ክፍሊት ቀለልቲን ንኣጠቓቕማ ምቹዋት ካብ ምዃኖም ሓሊፉ ብጥንቃቐ ምጥቃም እንተዘይተኻኢሉ ንመጭበርበርቲ ከቃልዕ ይኽእል ኢዩ፡፡

ምጥቃም ግልጋሎት ሞባይል ባንኪንግ ብጣዕሚ ምቹውን መዋፅኢን ኢዩ፤ ይኹን እምበር ሙሉእ ብሙሉእ ካብ ሓደጋ ናፃ ዝኾነ ሞባይል ወይ ድማ ቴክኖሎጂ ምርካብ ኣፀጋሚ ኢዩ፡፡

እዚ ሓቂ ንባንኪ መተግበሪታት እንትኸውን÷ ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ዘጋጥሙ ስግኣታት ድሕንነት ልዑል ይገብሮ።

መጭበርበሪ መገዲታት እንታይ እንታይ ክኾኑ ይኽእሉ?

  • ካብ ባንኪ ኢና ዝብሉ ናይ መጭበርበሪ ፅሑፋትን ፃውዒታትን፣
  • ኢ-ሜይል ፊሺንግ መፈንጠሪታትን ናይ ሕሶት መጠንቀቕታታ መጭበርበሪን፣
  • ኣካላዊ ስርቂ ስልኪን ምሕዳግን፣
  • ናይ ሕሶት መተግበሪታት ሞባይል ባንኪንግ፣
  • ኣብ ውሽጢ ካልኦት መተግበሪታት ዝተሓብኡ “ኪይሎግ” ማልዌራት፤
  • ዕድጊታት ዘዛብዑ (ናብ ዘይተደለየ ሓደገኛ ቦታ ዝመርሑ) ትሮጃናት፡-

እዞም ማልዌራት ፍልፍሎም ካብዘይፍለጡ መርበብ ሓበሬታታት ብዝተፈላለየ መገዲ ዝወረዱ መተግበሪታት ሞባይል ባንኪንግ ንምንቃሕ ዝተሰርሑ ኢዮም፡፡

መተግበሪ ባንኪ ክሳብ ዝጅምር ተሓቢኦም ብምፅናሕ ሓበሬታ ብዝተፈላለየ መገዲ ክወስዱ ይኽእሉ፡፡

  • ናይ ሞባይል ኣታዊ መረጋገፂ ምጭብርባራት፡- ገንዘብ ካብ ባንኪ ኣታዊ ከምዝተገበረሎም ዝገልፅ ናይ ሕሶት መልእኽቲ ሞባይሎም ወይ ድማ ኢ-ሜይሎም ክለኣኽ ይኽእል፣
  • ሲም ምቕያር፡- ሲም እንተተቐይሩ መፍለዪ ቁፅሪ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ካሊእ ኣካል ክውዕል ይገብር፣
  • ክሬደንሻል ስተፊንግን ብሩት ፎርስ መጥቃዕቲታት፡- ዝተሰረቑ ናይ ይሕለፍ ቃላት ብምጥቃም መፍለዪ ንምውሳድ ዝግበሩ መጥቃዕቲታት፣
  • ሰረቕቲ ልዑል ቁፅፅር ዘለዎም መእተዊ ክሬዴንሻላት ብምጥቃም ተደጋጋሚ ግምታዊ ፈተነታት ብምግባር ኣካዉንቶም ንምውሳድ ዝግበር መጥቃዕቲ፣
  • ምጭብርባር ግልጋሎት ፋይናንስ፡- መፍለዪኦም ዝተዓፀወ ብምምሳል ብህፁፅ ንኽኸፍቱ ዝጥቅዑ፣ ኣጠራጠርቲ መፍለዪ ምንቅስቓሳት ከምዝተርኣየን ንኸረጋግፁ ዝሓቱን ካልኦት ተመሳሰልቲ ናይ ሕሶት ምጭብርባራትን ከጋጥሙ ይኽእሉ

መከላኸሊ መገዲታት፦

  • ሞባይልና (መገልገሊ መሳርሒና) ምቑላፍ፡- ብፍላይ ዕድጊታት ኣብ ንፍፅመሉ እዋን ይኹን ብዝኾነ ይኹን እዋን ድሕንነቱ ብዝተሓለወ ኩነታት ምሓዝ፤ ብጥንኩር ናይ ይሕለፍ ቃል (ፓስዋርድ) ወይ ድማ ብኣማራፂታት ባዮሜትሪክ ምቑላፍ፣
  • ዕድጊታት (ክፍሊታት) እንትንዛዝም መተግበሪ ክፍሊት (ዌብሳይት) ዓፂና ብምውፃእ ፓስዋርድና ሴቭ ከምዘይኮነ ምርግጋፅ የድሊ፣
  • ኩነታት ሒሳብ ባንኪና (ታሪኽ) በቢእዋኑ ምፍታሽ/ምምልካት፣ ዝኾነ ዕድጊት ሞባይል ባንኪንግ ብናፃ ዋይፋይ ዘይምፍፃም፤ ኩሉግዘ ሞባይል ዳታ ምጥቃም፤ ዘገድድ ኩነታት እንተጋጥም እኳ ብዘይ ቪ ፒ ኤን ናፃ ዋይፋይ ዘይምጥቃም፣

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.