Fana: At a Speed of Life!

ብዓውዲ ልምዓት ኣይሲቲን ዲጂታል ትራንስፎርሜሽንን ብሓባር ንምስራሕን ምትሕብባር ንምጥንኻርን ዝዓለመ ስምምዕነት ተኸቲሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስቴር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ምስ ኮርፖሬሽን ትካል ኣቕራቢ ኣይሲቲ ሶሉሽንስ “ዜድ ቲ ኢ” ቻይና ብዓውዲ ልምዓት ኣይሲቲን ዲጂታል ትራንስፎርሜሽንን ብሓባር ንምስራሕን ምትሕብባር ንምጥንኻርን ዝዓለመ ስምምዕነት ተኸቲሙ።

ኣብቲ ሰነድ ስምምዕነት ሚኒስትር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን በለጠ ሞላ (ዶ/ር)ንምክትል ፕሬዚዳንት እቲ ኮርፖሬሽን ዬ ዢያኦሃን ክታሞም ኣንቢረሙሉ።

እቲ ሰነድ ስምምዕነት ኣብ ኢትዮጵያ ዝተጀመረ ልምዓት ኣይ ሲቲ ብምስፋሕን ስትራቴጂ ዲጂታል ኢትዮጵያ 2025 ብምፍፃምን ዘለዉ ምትሕብባራት ከምኡውን ዲጂታል ትራንስፎርሜሽን ንምርግጋፅ ዝዓለመ ኢዩ ተባሂሉ።

ብመሰረት እዚ እቲ ኮርፖሬሽን በቲ ሚኒስቴር ዝተተለሙ ዝርገሐ መሰረተ ልምዓት ዲጂታል ትራንስፎርሜሽን ደገፍ ንምግባር፣ ሽግግር ቴክኖሎጂ ንምርግጋፅን ኣብ ምህዞ ስራሕን ሃፍቲን ደገፍ ከምዝገብር ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.