Fana: At a Speed of Life!

ቱርኪ ካልኣይ ሞዴል ናይ ኤሌክትሪክ መኪና ዕላዊ ገይራ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ቶግ ዝተባህለ መፍረዪ መኪና ኩባኒያ ቱርኪ ካልአይቲ ሞዴል መኪና ዕላዊ ገይሩ፡፡

ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝፈረየት እታ ካልአይቲ ሞዴል መኪና÷ “T10F” ዝብል መፍለዪ ፍርያት ዝተውሃባ እንትኸውን÷ ኣብ ዝተትሓዘ ዓመት ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ኣብ ኣሜሪካ ላስ ቬጋስ ኣብ ዝካየድ ዓለም ለኸ ዓውደ ምርኢት ቴክኖሎጂ ንምርኢት ክትቀርብ ኢያ ተባሂሉ፡፡

ዋና ፈፃሚ ስራሕ ኩባንያ ቶግ መህመት ጉርካን ካራካስ÷ ካልአይቲ ሞዴል ኤሌክትሪክ መኪና ነቲ ኩባንያ ሓዱሽ ምዕራፍ ዝኸፍት ከምዝኾነ ኣብሪሆም፡፡

እታ መኪና ንምግጥጣም ልዕሊ ሓሙሽተ ዓመትን መንፈቕን ከምዝወደአ ዝሓበሩ እቶም ዋና ፈፃሚ ስራሕ÷ “ቱርካውያን ድሕሪ ሕዚ ኣብ ሃገሮም ዝተገጣጠመት መኪና ከሽከርክሩ ኢዮም” ኢሎም፡፡

እቲ ኩባንያ ፈላመይቲ ሞዴል ናይ ኤሌክትሪክ ተሽከርካሪት ኣብ ወርሒ ሕዳር 2019 ዕላዊ ገይሩ ከምዝነበረ ቲ ኣር ቲ ዎርልድ ፀብፂቡ፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.