Fana: At a Speed of Life!

ቲክ ቶክ 10 ቢሊዮን ዶላር እቶት ከምዝረኸበ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኩባንያ ኢንተርኔት ቴክኖሎጂ ቻይና ዝኾነ ቲክ ቶክ 10 ቢሊዮን ዶላር እቶት ካብ ዓለም ለኸ ተረባሕቲ ከምዝረኸበ ገሊፁ።

ኣፕ ኢንተለጀንስ ዝተብሃለ ሓበሬታ ኣፕሊኬሽን ዘቕርብ ከምዝበሎ፥  ካንዲ ክራሽ፣ ሆነር ኦፍ ኪንግስ፣ ሞንስተር ስትራይክን ክላሽ ኦፍ ክላንስን ዝተብሃሉ ጌማት ሞባይል ልዑል ኣታዊ ብምርካብ ብቕደም ሰዓብ ዝተቐመጡ ኢዮም።

ብፍላይ ካንዲ ክራሽ ጌም ካብ ጎግል ፕሌይ ስቶርን ኣፕል ኣይኦኤስ ኣፕ ስቶርን 12 ቢሊየን ዶላር ኣታዊ ከምዝረኸበ ተገሊፁ።

ብኣንፃሩ ቲክ ቶክ ካብ ሞባይል ጌም ወፃእ ካብ ዓለም ለኸ ተጠቀምቲ መዓልታዊ 11 ሚሊየን  ከምኡውን ዓመታዊ 10 ቢሊየን ዶላር ምእካብ ከምዝኸኣለ ተሓቢሩ።

እቲ  ኩባንያ ኣብ 2024 ክሳብ 15 ቢሊየን ዶላር ንምእካብ ትልሚ ሒዙ ከምዘሎ ተገሊፁ።

ብተወሳኺ እቶም ተጠቀምቲ ወርሓዊ 40 ሰዓታት ኣብ ቲክ ቶክ ንከሕልፉ የስራሕ ኣሎ ኢሉ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.