Fana: At a Speed of Life!

ትዊተር ኣገልግሎቱ ብክፍሊት ክገብሮ ይኽእል ኢዩ ተባሂሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 መስከረም፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ብምልክት ኤክስ ንባዕሉ ከምብሓዱሽ ዘፋለጠ ትዊተር ኣገልግሎቱ ብክፍሊት ክገብሮ ይኽእል ኢዩ ተባሂሉ።

ኤሎን መስክ ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር እስራኤል ቤኒያሚን ኔታኒያሁ ኣብ ኣሜሪካ ተራኺቦም ኣብ ዝተዛተይሉ እዋን ነቲ ሓሳብ ከምዘቕረቦ ቢቢሲ ፀብፂቡ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኔታኒያሁ ኣብቲ ገፅ ኣይሁድ ዘፅላእልኡ ሓሳባት ምልጣፎም ስዒቡ ካብ ህዝቢ ተቓውሞ ስለዝበዝሖም ምስ ኤሎን መስክ ንምዝታይ ምኽኒያት ከምዝኾኖም ተገሊፁ።

ኤሎን መስክ÷ እቶም ዘየድልዩ ልጥፋት ምብዝሖም ሮቦታትን ማንም ውልቀ ሰብ ከምድልየቱ ኣብ ትዊተር ሒሳብ ምኽፋት ምኽኣሉን ከምምኽኒያት ኣቐሚጡ።

ስለዝኾነ ወርሓዊ ክፍሊት ምኽፋል ምጅማር ከምመፍትሒ ሓሳብ ምቕራቡ ተሓቢሩ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.