Fana: At a Speed of Life!

ነበርቲ እታ ከተማ ሕቶ ሰላምን ፀፅታን ንምምላስ ዝተጣየሸ ግብረ ሓይሊ ስራሕ ጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሕቶ ሰላምን ፀፅታን ነበርቲ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ንምምላስ ብቐረባ ከታተል ግብረ ሓይሊ ተጣይሹ ናብ ስራሕ ምእታዉ ተገሊፁ።

መንግስቲ ፀገም ህዝቢ ንምፍታሕ ምስ ህዝቢ ልዝብ ንኽግበር ብዘቐመጦ ኣንፈት መሰረት ብምግባር ህዝቢ ኣዲስ ኣበባ ኣብ እዋን ዘተ ኣብ ሰላምን ፀፅታን ዘለዉ ፀገማት ኣድሂቡ ዘልዐሎም ሕቶታት ንምምላስ ንኽከኣል ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ ተጣይሹ ኢዩ፡፡

እቲ ግብረ ሓይሊ ካብ ቢሮ ምምሕዳር ፀፅታን ሰላምን ኣዲስ ኣበባን ኮሚሽን ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ዝተውፃእፀአ እንትኸውን፥ ሓበራዊ ትልሚ ብምውፃእ ናብ ተግባር ምእታዉ ምክትል ቢሮ ሰላምን ፀፅታን እቲ ምምሕዳር ኮሚሽነር ፍሰሃ ጋረደው ገሊፆም።

ብብርኪ ማእኸል ዝተጣየሸ እቲ ግብረ ሓይሊ በቢግዚኡ ፀገማት ሰላምን ፀፅታን እታ ከተማ እናገምገመ ኣፈፃፅምኡ ፀብፃብ ዝገብርን ልዕሊ ዓቕሚ ዝኾኑ ፀገማትን እንተጋጥሙ ንዝምልከቶ ኣካል ምኽረ ሓሳብ ብምቕራብ ብዝወሃብ ኣንፈት መሰረት ብምግባር ተግባራዊ ዝግብር ኢዩ ኢሎም፡፡

እቲ ግብረ ሓይሊ ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ዝትግበር ዝርዝር መርሃ ግብሪ ትልሚ ኣፈፃፅማ ኣሰናዲኡ ናብ ስራሕ ከምዝኣተወ ምግላፆም ካብ ቤት ፅሕፈት ከንቲባ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.