Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያን ኬንያን ሰላምን ድሕንነትን እዚ ቀጣና ንምርግጋፅ ኣብ ዘኽእል ኩነታት ዘቲየን-ለገሰ ቱሉ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያን ኬንያን ሰላምን ድሕንነትን እዚ ቀጣና ንምርግጋፅ ኣብ ዘኽእል ኩነታት ዘቲየን ክብሉ ሚኒስተር ኣገለግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ለገሰ ቱሉ (ዶ/ር) ገሊፆም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ኬኒያ ዘሳለጥዎ ዑደት ጠሚቱ ኣብ ዝሃበዎ መብርሂ፥ “ክልቲአን ሃገራት ንነዊሕ እዋን ዝፀንሐ ምትሕብባር፣ ሕውነትን ሓድነትን ኣለወን” ኢሎም።

መራሕቲ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ክልቲኣዊ ምትሕብባር ሰላምን ልምዓትን ጠመተ በምግባር ሰፊሕ ዘተ ከመዝገበሩ ተዛሪቦም።

ብፍላይ ኣብ ቤት ምኽሪ ጥምር ሚኒስቴራት ኢትዮ-ኬኒያ ዝተገበረ ስምምዕነት መሰረት ብምግባር እተን ሃገራት ሸውዓተ ስምምዕነታት ከምዝኸተማ ገሊፆም።

እቶም ስምምዕነታት ኣብ ዓውዲ ማሕበራዊ፣ ኢኮኖሚያዊን ድሕንነትን ቆላሕታ ከምዝገብሩ ተዛሪቦም።

ግብረ ራዕዲ ኣልሸባብ ኣብ ለዕሊ ክልቲአን ሃገራት መጥቃዕቲ ዝፍፅም ብምዃኑ ነዚ ብሓባር ንምምካት ከምኡውን ሰላምን ድሕንነትን ንምርግጋፅ ኣብ ዘኽአል ኩነታት ከምዝተዘተየ ኣፍሊጦም።

ኢትዮጵያ ንኬንያ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ንምቕራብ ኬኒያ ውን ካብ ኢትዮጵያ ብምዕዳግ ነምጥቃም ስምምዕነት ከምዝተገበረ ብምግላፅ፥ ዝርገሐ መስመራት ኤሌክትሪክ ከምዝተኻየደ ገሊፆም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.