Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያን ኬንያን ኣብ ጉዳያት ሰላምን ደሕንነትን ብሓባር ንምስራሕ ተስማዕሚዐን

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያን ኬንያን ኣብ ክልተኣዊ ከባቢያዊ ጉዳያት ፀፅታ ብሓባር ንምስራሕ ተስማዕሚዐን።

ላዕለዋይ ኢታማዡር ሹም ሓይሊታት ጦር ፌዴሪኢ ፊልድማርሻል ብርሃኑ ጁላን ላዕለዋይ ኢታማዡር ሹም ሓይሊታት ጦር ኬንያ ጄኔራል ሮበርት ኪቢቹን ኣብ ኬንያ ናይሮቢ ተራኺቦም ተዛቲዮም፡፡

ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ኣብቲ እዋን ዘተ፥ ኢትዮጵያን ኬንያን ኣብ ሰላምን ድሕንነትን ንኽሓባበራ ምዕሩይ ኩነታትን ዕድልን ከምዘሎ ገሊፆም፡፡

ጄኔራል ኪቢቹ  ብግደኦም፥ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ኣብ ኬንያ ፃንሒት ብምግባሮም ከምዘሕጎሶም ብምሕባር፤ “ሃገራትና ናይ ነዊሕ እዋን መሓዙት ኢየን፤ ነዚ ብዝበለፀ ምጥንኽር ይግባእ” ኢሎም፡፡

እቶም ኢታማዡር ሹማት፥ ኣብ ዓውዲታት ስልጠና፣ ምኽባር ሰላምን ድሕንነትን ንምትሕግጋዝ ኣብ ስምምዕነት በፂሖም፡፡

ኢትዮጵያን ኬንያን ኣባል ዝኾናሉ ናይ ምብራቕ ኣፍሪካ ሓይሊ ተዳሎ  ንምጥንኻር ንምጥንኻር መሪሕ ኮይነን ንምስራሕ ከምዝተስማዕምዑ እውን ካብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ኬንያ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.