Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያን ደቡብ ኣፍሪካን ብገበን ዝተጠርጠሩ ውልቀሰባት ኣሕሊፍካ ንምሃብ ዘኽእል ስምምዕነት ከቲመን

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ሓምለ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያን ደቡብ ኣፍሪካን ብገበን ዝተጠርጠሩ ውልቀሰባት ኣሕሊፍካ ንምሃብ ዘኽእል ስምምዕነት ከቲመን።

ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮነን፣  ሚኒስትር ዓለም ለኸ ርክብን ምትሕብባርን ደቡብ ኣፍሪካ ናሌዲ ፓንዶር(ደ/ር)፣ ላዕለዎት ሰብ መዚ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ዝተረኸብሉ መበል ራብዓይ ሓበራዊ ኣኼባ ኪሚሽን ሚኒስትራት ኢትዮ-ደቡብ ኣፍሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተሳሊጡ።

ኣብቲ ኣኼባ፥ ኢትዮጵያን ደቡብ ኣፍሪካን ብገበን ዝተጠርጠሩ ውልቀሰባት ኣሕሊፍካ ንምሃብ ዘኽእል ስምምዕነት ከቲመን።

ኣብቲ ሰነድ ስምምዕነት፥ ሚኒስትር ፍትሒ ጌዲዮን ጢሞቲዎስ(ዶ/ር)ን ሚኒስትር ዓለም ለኸ ርክብን ምትሕብባርን ደቡብ ኣፍሪካ ናሌዲ ፓንዶር(ደ/ር)ን ክታሞም ኣንቢረሙሉ።

ክልቲአን ሃገራት ብንግዲ፣ ኢንቨስትመንት፣ ሳይንስ፣ ኢኖቬሽን፣ ትምህርቲ፣ ጥዕና፣ ባህሊን ካልኦት ብዙሓት ዓውዲታትን ዝኸተምኡ ክልቲኣዊ ውዕላት ኣፈፃፅምኡ ዝጠመተ ገምጋም ከምዝተሳለጠ ግዚኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.