Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያውያን ተመራመርቲ ሰብ ስራሕ ምስትውዓል ኣብ ዝርዝር ፅዕንቶ ፈጠርቲ ውልቀ ሰባት መፅሄት ታይም ተኻቲተን

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ጳጉሜን፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ክልተ ደቂ ኣነስትዮ ኢትዮጵያውያን ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2023 ኣብ ዝርዝር ፅዕንቶ ፈጠርቲ ውልቀ ሰባት መፅሄት ታይም ኣሜሪካ ተኻቲተን።

ኣብቲ ፍሉጥ መፅሄት ዓለም ብፈጠርቲ ፅዕንቶ ዝተኻተቱ ኢትዮጵያውያን÷ ተመራመርቲ ሰብ ስራሕ ምስትውዓል ኣበባ ብርሃነን ትምኒት ገብሩ (ዶ/ር)ን ኢየን።

ክልቲአን ኢትዮጵያውያን ኣብ ዓውዲ ምስትንታን ኣብ ዝተትሓዘ ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ዓመት ፅዕንቶ ፈጠርቲ ካብ ዝኾኑ ውልቀ ሰባት ከምዝተኻተታ እቲ መፅሄት ዕላዊ ገይሩ።

ኣበባ ብርሃኑ ሰብ ስራሕ ምስትውዓል (ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ) ሞዴል መመዘኒ ስርዓት ሓበሬታ ዘፋለጠት እንትትከውን፥ ኣብ ኣየርላንድ ኣብ ዝርከብ ፋውንዴሽን ሞዚላ ላዕለወይቲ ሰብ ስራሕ ምስትውዓልን ኣብ ኮሌጅ ደብሊን ብረዳት ፕሮፌሰርነት እናገልገለት ትርከብ።

እታ ተማራማሪት ኣብ ኣወሳስዳ ሓበሬታን ምድንፋዕን ሰብ ስራሕ ምስትውዓል ዝርከቡ ሓበሬታታት ከብ ወገናዊነት ናፃ ንኽኾኑ ዘኽእል ምርምር ዕላዊ ምግባር ተገሊፁ።

ኣብ ምርምር ኮምፒውተር ትሰርሕ ትምኒት ገብሩ (ዶ/ር) እውን ኣብ ዝርዝር 100 ፈጠርቲ ፅዕንቶ ዝተኻተተት ኢትዮጵያዊት ኢያ።

ብተመሳሳሊ መልክዑ ኣብ ምርምርን መፅናዕቲን ሰው ስራሕ ምስትውዓል ትሰርሕ ትምኒት÷ ኣብ ኩባንያ ጎግል ብልዑል ሓላፍነት ምስራሓ ይዝከር።

ካብ ኩባንያ ጎግል ምስተፈላለየት ድማ ፍትሓዊ ቴክኖሎጂ ንፀለምቲን ደቂ ኣንስትዮን ዝቃለስ ሰብ ስራሕ ትካል ምርምር ልህቀት ኣጣይሻ እናሰርሐት እንትኸውን፥ እዚ ስራሓ ድማ ኣፍልጦ ኣምፂኡላ።

ትምኒት ቅድሚ ሕዚ ብፍሉጣት መፅሄታት ፎርቹንን ፎርብስን ኣብ ዓውዲ ሳይንስን ቴክሎጂ ፅዕንቶ ፈጠርቲ ዓለም ኢየን ዝበለን ደቂ ኣንስትዮ ሓንቲ ኢያ።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.