Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ሓዊሱ ኣብ 4 ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪካ “ቅድመ መጠንቀቕታ ንኹሉ” ዝተብሃለ ምንቅስቓስ ዕላዊ ኮይኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ሓዊሱ ኣብ ኣርባዕተ  ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪካ ኣብ ስግቸኣት ሓደጋ፣ ቅድመ መጠንቀቕታን ምላሽን ትኹት ዝገበረ ምንቅስቓስ ሎሚ ኣብ ሙዚየም ኣዲስ ኣበባ ዕላዊ ተገይሩ።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ኮሚሽነር ኮሚሽን ኣመራርሓ ስራሕ ስግኣት ሓደጋ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ሽፈራው ተ/ማሪያም፣ ተወከልቲ ኣርባዕቲአን ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪካን መዳርግቲ ኣካላትን ተረኺቦም፡፡

ኣምባሳደር ሽፈራው ተ/ማሪያም÷ ስራሕቲ ምንካይ ስግኣት ሓደጋ፣ ቅድመ መጠንቀቕታን ምላሽን ዕት ንምግባር ኩሎም መዳርግቲ ኣካላት ብምውዳድ ክሰርሑ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም፡፡

ኣብቲ መድረኽ÷ ኣብ ፅዕንቶ ብዝሃ-ሓደጋታት እቲ ኮሚሽን ዝተመርኮሰ ሰነድ ፍኖተ ካርታ ቅድመ መጠንቀቕታን ቅድመ ስጉምቲን ከም ተሞክሮ ምቕራቡ ተሓቢሩ፡፡

እቲ “ቅድመ መጠንቀቕታ ንኹሉ” ዝተብሃለ ምንቅስቓስ÷ ኢትዮጵያ ሓዊሱ ኣብ ኣርባዕተ ሃገራ ምብራቕ ኣፍሪካ ስራሕቲ ስግኣት ሓደጋ፣ ቅድመ መጠንቐቕታን ምላሽን ከምዘድህብ ምግላፁ ካብቲ ኮሚሽን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.