Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያ ኣብ ዓለም ለኸ ኤግዚቢሽን ቱሪዝም ዘለዉዋ ሃፍቲታት ቱሪዝም እናፋለጠት ትርከብ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ኣብ ጀርመን በርሊን እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ ዓለም ለኸ ኤግዚቢሽን ቱሪዝም ሃፍቲታት ቱሪዝማ እናፋለጠት ትርከብ።

ካኣይ መዓልቱ ኣብ ዝሓዘ እቲ ኤግዚቢሽን÷ ሚኒስትር ቱሪዝም ኣምባሳደር ናሲሴ ጫሊ ምስ ዝተፈላለዩ ዓለም ለኸ ትካላት ጉዕዞን ተወከልቲ ሃገራትን ተዛቲየን፡፡

ኣብ ዘተአን ድማ ዓለም ለኸ ትካላት ኣጎብነይቲ ንዓማዊሎም ኢትዮጵያ ከም ኣማራፂ ንኸቕርቡን ኣብ ዝርዝር ጉዕዞኦም ከካትቱ ኣብ ዝኽእሉሎም ጉዳያትን ጠሚተን ተዛቲየን፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ምስ ዝተፈላለዩ ትካላት ኣብ ፕሮሞሽንን ማርኬቲንግን ቱሪዝም ብሓባር ንምስራሕ ዘኽእል ዘተ ኣካይደን።

እዚ በቢ ዓመቱ ዝሰናዳእ ኤግዚቢሽን ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ፍሉጣት ኩባንያታት ቱሪዝምን ሃገራትን ዘለዉወን መስሕባት ቱሪዝምን ግልጋሎትን ዘፋልጡሉ መድረኽ ኢዩ::

ኢትዮጵያ እውን ብፍላይ ካብ ቀረባ እዋን ንደሓር ነቲ ዓውዲ ትኹረት ብመሃብ እወገነቶም ትርከብ ልምዓትን መስሕባት ቱሪስትን እናፋለጠት ከምትርከብ ሓበሬታ ሚኒስቴር የመላኽት፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.