Fana: At a Speed of Life!

ኣሜሪካዊ በዓል ሞያ ቁጠባ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ትኽተሎ ፖሊሲ ነቒፉ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 2 ሕዳር፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣሜሪካዊ በዓል ሞያ ቁጠባ ኣሜሪካ ዴቪድ ስታይንማን ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ትኽተሎ ፖሊሲ ብምንቃፍ ደብዳበ ፅሒፉ።

እቲ በዓል ሞያ ከምዝገለፆ፥ ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ምስ ዘሎ ጎንፂ ተተሓሒዡ እናሰጎመቶ ትርከብ ፖሊሲ ዘሕፍር ክብል ፀሪሑዎ።

ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ሕፁይ ኖቤል ሰላም ኮይኑ ቀሪቡ ዝነበረ ዴቪድ ስታይንማን ንፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ጀፍር ፌልትማን ኣብ ዝፀሓፎ ደብዳበ፥ መንግስቲ ኣሜሪካ ኣብ ጎኒ መንግስቲ ኢትዮጵያ ጠጠው ክብል ከምዝግባእን ኣብ ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዝ፣ ሰብኣዊ መሰልን ልኦት ጉዳያትን እውን ሓዱሽ ስምምዕነት ንኽገብር ሓቲቱ።

ብህዝቢ ዝተመረፀ መንግስቲን ኣምባገነን ህወሓት መሊስካ ንምምፃእ ዝግበር ግብረ ራዕዲ ጉጅለን ማዕረ ምርኣይ እቲ ፀገም ካብ ምብእኣስ ወፃእ ዘምፀኦ ረብሓ የለን ክብል ንኣካይዳ ኣሜሪካ ነቒፉ፡፡

ድርድርን ልዝብን ኣብ ኣሰራርሓ ህወሓት ዘኽይድ ከምዘይኮነ ዝገለፀ እቲ በዓል ሞያ፥ ህወሓታውያን ናይ ባዕሎም ውልቃዊ ረብሓ ክሳብ ዝሓለወን ሕቡእ ዕላመኦም ንምዕዋት ከም መውፅኢ መገዲ ክጥቀሙሉ ይደልዩ ኢዮም፤ እዚ ድማ ንኣብዛሓ ኢትዮጵያውያን ዝጎድእን ግቡእነት ዘይብሉን ኢዩ ይብል ዴቪድ ስታይንማን።

ወፍሪ ምትርማ ህወሓት ምግታእ እነተዘይተኻኢሉ ኣብዚ ሕዚ እዋን እናተኸየደ ዝርከብ ክያዶ ዓቕሚ ህወሓት ሓሊዩ ዘፅንሕ ድርድር ሰላም ግዝኣታዊ ሓድነትን ምርግጋእን ኢትዮጵያን ኣብ ስግኣት ዘእቱ ከምዝኾነ ኣገንዚቡ።

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.