Fana: At a Speed of Life!

ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን ግብረ ራዕዲ ህወሓት ሕዚ እውን ምትንዃዩ ከምዝቐፀለ ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን ምስ ክልላዊ ዳይሬክተር ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ሚካኤል ጆን ደንፎርድ ተዛቲዮም።

ኣብቲ እዋን ዘተ ድማ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ብዝፈፀሞ ወራር ብዙሓት ሰብኣዊን ንዋታዊን ዕንወት ከምዘብፀሐ ኣምባሳደር ሬድዋን ገሊፆም።

መንግስቲ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ኢትዮጵያ ዘሎ ጎንፂ ጠተው ንኽብል ብዘለዎ ድሌት ሰራዊቱ ናብ ትግራይ ከየኣቱ ከምዝወሰነ እውን ኣብሪሆም።

ይኹን እምበር ግብረ ራዕዲ ህወሓት ሕዚ እውን እቲ ጎንፂ ንኽቕፅል ብዘለዎ ድሌት ዝተልዓለ ትንኮይኡ ከምዝቐፀለሉ ተዛሪቦም።

ኣብ ትግራይ ዘሎ ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዝ ብዝምልከት እውን ሰብኣዊ ሓገዝ ፅዒነን ናብቲ ክልል ዝኣተዋ ተሸከርከርቲ ህወሓት ንሰራዊቱ መጓዓዓዚ ከምዘውዐለን ብምሕባር፥ እተን ተሸከርከርቲ ንምምላስ መንግስቲ ምዕሩይ ኩነታት ዘመዓራረየ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ዓለም ለኸ ማሕረሰብ እቲ ጉዳይ ብስቕታ ብምሕላፉ ኣብቲ ክልል ተበፃሕነት ሰብኣዊ ሓገዝ ንምግባር ፀገም ከምዝፈጠረ ኣብሪሆም።

መንግስቲ ቁፅሪ ኬላታት ፍተሻ ብምንካይ፣ ኣብ ምቕራብ ሰብኣዊ ሓገዝ ዝተዋፈሩ ትካላት ናብቲ ክልል ሒዞምዎ ዝኣተዉ መጠን ጥረ ገንዘብ ብምዕባይ ከምኡ እውን ብኣየር ዝግበሩ በረራታት ሰብኣዊ ሓገዝ ብመውሳኽ ቆራፅነቱ ምርግጋፁ ኣምባሳደር ሬድዋን ገሊፆም።

ብኻሊእ መዳይ መንግስቲ ድሕንነት ዜጋታቱ ናይ ምሕላው ሓላፍነት ዘለዎ ስለዝኾነ እቲ ግብረ ራዕዲ ሓይሊ ትንኮይኡ ጠጠው ዘየብል እንተኾይኑ ግቡእ ስጉምቲ ምውሳዱ ከምዝቕፅል ኣብሪሆም።

ዝውሰዱ ስጉምቲታት ንፁሃን ዒላማ ዝገበሩ ከምዝኾኑ ካብቲ ጉጅለ ዝወፅኡ ሓበሬታታት ጭቡጣት ከምዘይኮኑ እውን ኣረጋጊፆም።

ሚስተር ሚካኤል ጆን ደንፎር ብግደኦም፥ መንግስቲ ንዝተኸተሎ መገዲ ሰላም ዘለዎም ናእዳ ብምግላፅ፤ ብኣንፃሩ ህወሓት ብወገን ኣብዓላ ዝኸፈቶ መጥቃዕቲ እቲ ፀገም እናበኣኣሶ ከምዝኾነ ኣልዒሎም።

ትካሎም 700 ቶን ሓገዝ ምግቢ ንምግባር ከምዝተዳለወ ብምሕባር፤ ኣብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ሓገዝ ዝደልዩ ወገናት እውን ተበፃሒ ንምግባር እናተሰርሐ ከምዝኾ ምግላፆም ካብ ቤት ፅሕፈት ኣቐባሊ ቃል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.