Fana: At a Speed of Life!

ኣብዚ ሰሙን ዝተፈጠረ ፀገም ከም ኣጋጣሚ ተጠቒሞም ዓማዊል ከጭበርብሩ ዝፍትኑ ኣለዉ – ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብዚ ሰሙን ዝተፈጠረ ፀገም ከም ኣጋጣሚ ተጠቒሞም ዓማዊል ኣጭበርብሩ ካብዝፍትኑ ንክሕልዉ ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ኣጠንቂቑ፡፡

ኣጭበርበርቲ ኣብዚ ሰሙን ምስ ሲስተም ተተሓሒዙ ዝተፈጠረ ፀገም ከም ኣጋጣሚ ንምጥቃም ፈተነ እናገበሩ ምዃኖም ከምዝፈለጠ እቲ ባንኪ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፁ ኣፍሊጡ፡፡

እዞም ኣጭበርበርቲ መብዛሕትኡ ግዜ ካብ ባንኪ ዝደወሉ ብምምሳል “ዝተዘጋ ሒሳብኩም ንኽፈተልኩም”፣ “ሒሳብኩም ከይዕፆ ንልእኸልኩም ኮድ አእትዉ” ዝብል ሜላ መጭበርበሪ ብምጥቃም ፈተነ ዘረፋ እናበሩ ከምዝኾኑ ሓቢሩ።

“ይኹን እምር እቲ ባንኪ ስልኪ ደዊሉ ብዛዕባ ሒሳቦም ሓበሬታ ዝጥይቐሉ፣ ሒሳብ ዝኸፍተሉ ይኹን ዝዓፅወሉ ኣሰራርሓ ከምኡ እውን ዓማዊል ክጥቀሙሉ ዝልእኾ ኮድ የለን” ኢሉ፡፡

ብምዃኑ ዝኾነ ይኹን ዓሚል እቲ ባንኪ መሰል ኩነታት እንተጋጥሞም ዝኾነ ይኹን ስጉምቲ ካብ ምውሳድ ብምቑጣብ ኣብ ቀረበኦም ናብ ዝርከብ ጨንፈር ብምኻድ ወይ ድማ ናብ ማእኸል ፃዒት 951 እቲ ባንኪ ብምድዋል ብዛዕባ እቲ ኩነታ ሓበሬታ ክሓቱ ከምዝግባእ ኣገንዚቡ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.