Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ልምዓት ኮሪደር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ስራሕቲ ምክንኻን ምፅጋንን ሓድጊታት ይስራሕ ኣሎ ተባሂሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣዲስ ኣበባ እናተኻደ ዝርከብ ዳግመ ህንፀትን ልምዓት ኮሪደርን ሃፍቲ ሃገርን ሓድጊታትን ናይ ምክንኻን ምፅጋንን ስራሕ እናተሰርሐ ምዃኑ በዓል መዚ ሓድጊ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ዋና ዳይሬክተር እቲ በዓል መዚ ኣበባው ኣያሌው (ሓጋዚ ፕሮፌሰር) ከምዝገለፁዎ÷ ሃፍቲን ሓድጊን ኢትዮጵያ ብምሕላው፣ ብምክንን ብምፅጋንን ንወለዶ ክመሓላለፉ ብፍሉይ ጠመተ ይስራሕ ኣሎ።

ሓለዋ ሓድጊን መስሕባት ናይ ምስፋሕን ስራሕቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እናተወገነ ከምዝኾነ ብምሕባር÷ ስራሕቲ ምሕላው፣ ምክንኻንን ምፅጋንን እናተሳለጠ ከምዝኾነ ኣመልኪቶም።

ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ክፍለ ከተማታት ኣራዳ፣ ጉለሌ፣ ቂርቆስን ኣዲስ ከተማን ኣካል ቀዳሞት ምስረታ ኣዲስ ኣበባ ብምዃኖም ኪነ-ሕንፃን መልክዕ ከተማነትን ዘርእዩ መዘከሪታት ከምዘለዉ ሓቢሮም።

ቅድሚ ሕዚ ኣብታ ከተማ መለክዒታት ሓድጊ እንተየማልኡ ዝተመዝገቡ ከምዘለዉ ብምዝኽኻርዘ ዓለም ለኸ ምዝገባ ሓድጊ ተሞክሮ መበገሲ ብምግባር ዝተሰናደአ መምርሒ መሰረት ብምግባር ብሓዱሽ ምልክዑ ምዝገባ ሓድጊታት እናተኻየደ ከምዝኾነ ገሊፆም።

“ብመሰረት እዚ ቅድሚ ሕዚ ዝተመዘገቡ ብሓድግነት ዝቕፅሉ እንትህልዉ በቲ መምርሒ መሰረት እቲ መለክዒ ዘየማልኢ ድማ ኣይቕፅሉን” ኢሎም።

ብምዃኑ ኣብ ልምዓት ኮሪደርን ዳግመ ህንፀትን ኣዲስ ኣበባ ክሕለዉ ዘለዎም ሓድጊታት ክሕለዉ ከምዝተገበረ ተዛሪቦም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.