Fana: At a Speed of Life!

ኣብ መበገሲ መሪሕ ትለልሚ ልምዓት 10 ዓመት ኣድሂቡ እናተኻየደ ዝርብ ዘተ ይቕፅል ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ መበገሲ መሪሕ ትለልሚ ልምዓት 10 ዓመት ኢትዮጵያ ኣድሂቡ እናተኻየደ ዝርብ ዘተ ይቕፅል ኣሎ።

እቲ ዘተ ኣብ ናይ ሎሚ መዓልቲ ዛዕቡኡ ኣብ ዓውዲ ቱሪዝም ብምድሃብ ምይይጥ እናተገበረ ይርከብ ።

ኣብቲ መሪሕ ትልሚ ልምዓት ዘፈር ቱሪዝም ክሳብ ሕዚ ዝነበሩ ማሕለኻታትን ኣብ ዝቕፅሉ 10 ዓማውቲ ነቲ ዓውዲ ዕዉት ብምግባር ዝሳለጡ ተግባራት ቀርበው ዘተ ይግበረሎም ኣሎ።

ኣብ ናይ ትማሊ ውዕሎ እቲ ዘተ፥ መሪሕ ትልሚ ልምዓት 10 ዓመት ዘፈር ንግዲን ኢንዱስትሪን ቀሪቡ ምይይጥ ከምዝተገበረሉ ተገሊፁ።

ሚኒስትር ንግዲን ኢንዱስትሪን  ኣይተ መላኩ ኣለበል፥ ስርዓት ንግዲ ኢትዮጵያ ዘበናዊ፣ ኣህጉራን ዓለም ለኻዊን ስምምዓት ናብ ውፅኢት ዝልወጡሉ ከምዝኸውን ተዛሪቦም።

እዚ ንምዕዋት ድማ ክፍተታት ኣፈፃፅማ ዕዉትነት ናይቲ ትልሚ ከይንክዩ ብዕቱብ ክስራሕ ኢዩ ኢሎም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.