Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ስዑድ ዓረብ ዝርከቡ ትካላት ኣብ ምፍራይ ወርቂ፣ ቴክኖሎጂን ዘበናዊ ዱኽዒ (መዳበሪያ)ን ክዋፈሩ ከምዝደልዩ ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ሓምለ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ስዑድ ዓረብ ዝርከቡ ኩባንያ ኣልነምር መታብ (መውፅኢ መዓድን)ን ኩባንያ ኣያድ ኣል ኣቶቢን ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ምፍራይ ወርቂ፣ ቴክኖሎጂን ዘበናዊ ዱኽዒ (መዳበሪያ)ን ክዋፈሩ ከምዝደልዩ ገሊፆም።

ኣምባሳደር ፌዴሪኢ ኣን ስዑድ ዓረብ ሌንጮ ባቲ÷ ንወነንቲን ማኔጀራትን እቶም ኩባንያታት ኣብ ቤት ፅሕፈቶም ኣዘራሪቦም።

ኣብ ዘተኦም ድማ፥ ኣብ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ዘሎ ሰፊሕ ኣማራፂ ኢንቨስትመንት፣ ብስፍሓት ብዛዕባ ዝርከብ፣ ወርቂን ዝተፈላለዩ ክዙናት መዓድናትን ዝምልከት ገለፃ ገይሮምሎም፡፡

ነቶም ኩባንያታት ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውዲታት ቴክኖሎጂ ንኽዋፈሩ ፃውዒት ከምዘቕረቡሎም እውን ተሓቢሩ።

ንዝተገበረሎም ኣቀባብላን ገለፃን ዘመስገኑ እቶም ኩባኒያታት ብግደኦም፥ ኣብ ዓውዲ ምፍራይ ወርቂ፣ ቴክኖሎጂን መዳበርያን ኢንቨስት ንምግባር ድሌት ከምዘለዎም ገሊፆም፡፡

ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ብምርካብ ኣብቶም ዓውዲታት መፅናዕቲ ብምግባር ኢንቨስት ከምዝገብሩ ቃል ምእታዎም ካብቲ ኤምባሲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.