Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ትግራይ ብ2 ቢሊየን ብር ፕሮጀክት ምምሕያሽ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ትግራይ ብ2 ቢሊየን ብር ፕሮጀክት ምምሕያሽ ሓይሊ ኤሌክትሪክ የሳልጥ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

ኣብበ ግዚያዊ ምምሕዳር እቲ ክልል ሓላፊ ኣገለግሎት ኮሚኒኬሽን ኤሌክትሪክ ግርማይ ግደይ፥ ብሰንኪ ምውዳቕ ዓምድታት ዕንፀይቲን ምቅፃል ትራንስፎርመርን ዘጋጥሙ ምቁርራፃት ሓይሊ ንምክልኻል ዝሕግዝ ፕሮጀክት ኢዩ ኢሎም።

ስለዝኾነ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ንምትሕልላፍ ዘገልግሉ ዝነበሩ ዓምዲታት ዕንፀይቲ ብኮንክሪት ይቕየሩ ኣለዉ ኢሎም።

ኣብቲ ስራሕቲ ምምሕያሽ ሓይሊ ኤሌክትሪክ፥ ኣብ 14 ማሕበራት ዝተወደቡ 1 ሽሕን 500 መናእሰይ ዕድል ስራሕ ከምዝተፈጠረሎም ምዝራቦም ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.