Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኢትዮጵያ ብቫይረስኮሮና ዝተትሓዙ ሰባት ቁፅሮም ካብ 70 ሺሕ ዛይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ብቫይረስኮሮና ዝተትሓዙ ሰባት ቁፅሮም ካብ 70 ሺሕ ከምዝሓለፈ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ።

ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ብዝተገበረ 6 ሺሕን 813 ምርመራ ላብራቶሪ ተወሰኽቲ 713 ሰባት ቫይረስኮሮና ከምዝተረኸቦም ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ ገሊፀን።

ብመሰረት እዚ ኣብ ኢትዮጵያ በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ቁፅሮም 70 ሺሕን 422 ከምዝበፅሐ ዶክተር ሊያ ታደሰ ገሊፀን ኣለዋ።

ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት 19 ሰባት ብሰንኪ እቲ ቫይረስ ህይወቶም ዝሰኣኑ እንትኾኑ፥ ብሓፈሻ በቲ ቫይረስ ህይወቶም ዝሰኣኑ ሰባት 1 ሺሕን 127 በፂሑ ኣሎ።

ብኻሊእ መዳይ ትማሊ 357 ሰባት ካብቲ ሕማም ዝሓሾም እንትኾኑ፥ ብድምር 28 ሺሕን 991 ሰባት ካብቲ ሕማም ድሒኖም ናብ ገዝኦም ተመሊሶም።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ሕክምና ዘለዉሰባት 40 ሺሕን 302 ከምዝኾኑን ካብዚኣቶም ድማ 251 ሰባት ኣብ ክፍሊ ክንክን ዘድሊዮም ብፅኑዕ ዝሓመሙ ዝርከቡ ከምዝኾኑ እተን ሚኒስትር ገሊፀን።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.