Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኣሜሪካ ዝነብራ ክልተ ኣሓት 7 ሺሕ መፃሕፍቲ ንቤተ መፃሕፍቲ ኣብርሆት ለጊሰን

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣሜሪካ ዝነብራ ክልተ ኣሓት ትውልደ ኢትዮጵያውያን መናእሰይ ንቤተ መፃሕፍቲ ኣብርሆት ዝኸውን 7 ሺሕ መፃሕፍቲ ንኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ኣሜሪካ ኣረኪበን።

ወ/ሮ ኣያንቱ ኣበበ ብደቀን ኣቢሉ ዝተኣከቡ መፃሕፍቲ ነቲ ኤምባሲ ኣረኪበን።

ዝተለገሱ መፃሕፍቲ፥ ኣብ ኢትዮጵያ ባህሊ ንባብ ንኽድንፍዕ ቤተ መፃሕፍቲ ዝተማልአ ቀረብ ንኽህልዎም ንምሕጋዝ ኢዩ።

ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ኣሜሪካ ስለሺ በቀለ፥ ወለዶ ዝሃንፁ መፃሕፍቲ ብምልጋስ ንዝተበበረ ኣብነት ዝኾነ ስራሕ ምስጋና ምቕራቦም ካብቲ ኤምባሲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.