Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ልዕሊ 17 ሽሕ ፍረታት ጠያይቲ ክላሽንን  ሽጉጥን ምስ ዝተፈላለዩ ኣፅዋራት ኲናት ተታሒዞም

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብዘይሕጋዊ መንገዲ እንትዘዋወር ዝነበረ ልዕሊ 17 ሽሕ ፍረታት ጠያይቲ ክላሽንን  ሽጉጥን ምስ ዝተፈላለዩ ኣፅዋራት ኲናት ከምዝተታሕዘ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጡ።

ፖሊስ ኣዲስ ኣበባን ኣገልግሎት ሃገራዊ ደሕንነትን ጸጥታን፤ እቲ ዘይሕጋዊ ኣጽዋር ኣብ ክፍለ ከተማ ንፋስ ስልክ ወረዳ 11 ከባቢ ሃና ማርያም ብቶዮታ መኪና ይጓዓዝ ከምዝነበረን ብዝተገበረ ክትትልን እዩ ተታሒዙ።

በዚ ድማ 11 ሽሕን 275 ተተኮስቲ ክላሽ ፣ 6 ሽሕን 494 ተተኮስቲ ሽጉጥ ፣ 11 ዝተፈላለዩ ኣፅዋራት፣ ብኽኢላታት ዝተፈትሑ 9 ናይ ሰደፍ ብሬን፣ 4 ናይ ተመላላሲ ሽቦ ብሬን፣ 6 ዘንጊ ተመላላሲ ዘንጊ፣ ዝተፈላለዩ ናይ ክላሽ ኮቭ ሽጉጥ ክፍልታት፣ ጠበንጃታት፣ ብዝሒ 37 ናይ ሽጉጥ ካርታ ምስ ካልኦት ኣጽዋር ከምዝተትሓዙ ተሓቢሩ።

ብተወሳኺ 465 ስታር ሽጉጥ ጥይትን 1 ኢኮልፒ ሽጉጥን ካብ ቶዮታ ሎንግ ቤዝ ቁፅሪ ታርጋ 3-B-01563 ዘለዋ ተሽከርካሪት ከምዝተትሓዘ ካብ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመላኽት።

እቶም ነቲ ኣጽዋር ከጓዕዙ ዝተረኽቡ ሰለስተ ጥርጡራት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝኣተዉን መርመራ ይቕጽል ከምዘሎን ተገሊጹ።

ኣብ ዝሓለፈ እዋን ኣብ ሓባራዊ ዝተዋደደ ስራሕ እቶም ትካላት፡ ንሰላምን ጸጥታን እታ ከተማ ከቢድ ስግኣት ዝኾነ መቃጸልን ተተኮስቲ ኣጽዋራትን ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ከምዘውዓሉ ዝዝከር እዩ።

ኣብ ቀረባ እዋን ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጵያ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝኣትዉ ዘይሕጋዊ ኣፅዋርን ተተኮስትን እናወሰኸ ይኸይድ ከምዘሎ ፖሊስ ኣፍሊጡ ነይሩ።

ንጡፍ ተሳትፎ ህዝቢ ዘላቒ ሰላም ንምርግጋፅ መሰረት ስለዝኾነ ከምዚ ዓይነት ዘይሕጋዊ ተግባራት እንትርእይ ንዝምልከቶም ኣካላት ሓበሬታ ብምሃብ ተሓባባርነቱ ንከሕይል ፃውዒት ቀሪቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.