Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ክልል ትግራይ ዝነበሩ ልዕሊ 55 ሺሕ ዕጡቓት ናብ ስድረኦም ተፋንዮም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 19 ሓምለ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ትግራይ ዝነበሩ ልዕሊ 55 ሺሕ ዕጡቓት ኣባላት ናብ ስድረኦም ምፍናው ከምዝተገበረሎም ተገሊፁ።

ምክትል ፕሬዚደንት ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይን ሓላፊ ካብኔ ሴክሪታሪያት ሰላምን ፀጥታን እቲ ክልል ሌተናል ጀነራል ታደሰ ወረደ ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ÷ ብመሰረት ውዕሊ ሰላም ፕሪቶርያ ልዕሊ 50 ሺሕ ዕጡቓት ብኽብሪ ናብ ሕብረተሰበቦም ከምዝተሰነዩ ገሊፆም፡፡

“እዚ ዝተገበረሉ ቀንዲ ምኽንያት ህዝቢ ትግራይ ዘላቕነት ዘለዎ ሰላም ንክሰፍን ዘለዎ ድልውነት ንምርኣይ እዩ” ኢሎም፡፡

ዝተሰነዩ ኣባላት እግሪ ንኽተኽሉ÷ ብቐፃሊነት ኣብ ዝተፈላለዩ ፕሮጀክታት ብምትእስሳር ኩለመዳይ ስራሕቲ ከምዝስራሕ ተዛሪቦም፡፡

እቶም ዝተፋነዉ ልዕሊ 55 ሺሕ ዕጡቓት÷ ኣብ ዝተፈላለያ ወረዳታት ኣቀባብላ እናተገበረሎም ከምዝርከብ እውን ኣብሪሆም።

ኣቀባብላ ዝተገበረሎም ኣባላት ዕጡቓት÷ “ምስ ህዝብና ብምትሕብባር ኣብ ስራሕቲ ልምዓትን ፀፅታን ግቡእና ክንፍፅም ኢና” ክብሉ ምግላፆም ካብ ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን እቲ ግዚያዊ ምምሕዳር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.