Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ዩኔስኮ ተመዘገበ ጥቡቕ ደኒ ማጃንግ እናበረሰ ከምዝኾነ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ጋምቤላ ዞባ ብሄረሰብ ማጃንግ ዝርከብ ጥቡቕ ደኒ ባዮስፌር ሪዘርቭ ብዘይሕጋውያን ጭፍጨፍቲ ብርሰት እናበፅሖ ከምዝኾነ ነበርቲ ገሊፆም።

ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመታት ኣብ ውድብ ሕቡራት መብግስታት ትካል ትምህርቲ፣ ሳይንስን ባህሊን (ዩኔስኮ) ኣብ ዘፈር ጥቡቕ ደኒ ባዮስፌር ሪዘርቭ ዝተመዝገበ እቲ ደኒ፥ ኣብዚ ሕዚ እዋን ህልውንኡ ኣብ ሓደጋ ከምዝወደቐ ተሓቢሩ።

ኣባላት ካቢኔ ወረዳ ጎደሬን ዝምልከቶም መዳርግቲ ኣካላትን ብዘይሕጋውያን ሰባት ዝተጨፍጨፈ ጥቡቕ ደኒ ባዮስፌር ሪዘርቭ ተዘዋዊሮም ተዓዚቦም።

ዋና ኣመሓዳሪ ወረዳ ጎደሬ ኣይተ ይስሃቅ ኣብርሃም፥ ሓደሓደ እዋናዊ ረብሓ ዝደልዩ ዘይሕጋውያን እናብፅሑዎ ዝርከቡ ጨፍጫፍ ደኒ ኣብ ተፈጥሮኣዊ ደኒታት ልዑል ጉድኣት እናብፀሐ ከምዝኾነን ነዚ ንምክልኻል ብምውዳድ ምስራሕ ከምዘድሊን ገሊጾም።

ካብ ቀረባ እዋን ንደሓር ብምኽንያት ዘይሕጋውያን ጨፍጨፍቲ ካብ 300 ክሳብ 400 ዓመት ዕድመ ፀገብ ኣእዋም ሓዊሱ ብልዑል ኩነታት ጭፍጨፋ ብምክያድ ህልውና እቲ ደኒ ኣብ ዘተሓሳስብ ኩነታት ከምዘሎ ገሊፆም።

ብምዃኑ ድማ ብቅልጡፍ እናተኻየደ ዝርከብ ወራርን ጨፍጫ ደኒን ንምክልኻል፥ ጨፍጨፍቲ ንምፍላይ፣ ካብ ትሕዝቶ እቲ ጥቡቕ ደኒ ምውፃእን ብሕጊ ተሓተትቲ ናይ ምግባርን ስራሕ ከምዝስራሕ ተዛሪቦም።

ኣብ ባዮስፌር ሪዘርቭ ማጃንግ 550 ዝበፅሑ እፅዋት፣ ልዕሊ 180 ኣዕዋፍ፣ 33 መጥበውቲ እንስሳትን 20 ተሰሓብቲ እንስሳትን ዓሌታት ከምዝርከቡሉ ተሓቢሩ።

ብኣደም ዓሊ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.