Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ጉዳይ ግድብ ህዳሰ ኣብ ፍልጠት ዝተደረኸ ሰላማዊ ድርድር ብምግባር ረብሓ ኢትዮጵያ ምኽባር ከምዝግባእ ተገሊፁ

አዲስ አበባ፣ መጋቢት 4፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ክሊ ዓቢዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያን ሩባ ኣባይን ዘድሃበ መድረኽ ዘተ ሙሁራት ተሳሊጡ።

ብሚኒስቴር ሳይንስን ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲን ዝተዳለወ እቲ መድረኽ ዘተ፥ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሆቴል ስካይ ላይት ኢዩ ተኻይዱ።

ፕሬዚዳንታት ዩኒቨርሲቲ፣ መራሕቲ ሃይማኖት፣ ተወከልቲ ካፋላት ሕብረተሰብ፣ ሓለፍቲ ስራሕ ኣቢያተ ዕዮ ሚኒስትራትን ተፀዋዕቲ ትካላትን ኣብቲ መድረኽ ተሳተፍቲ ኮይኖም።

ኣብቲ መድረኽ ዘተ ዝተረኸባ ሚኒስትር ሳይንስን ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲን ፕሮፌሰር ሂሩት ወልደማርያም፥ ቀንዲ ዕላማ ናይቲ መድረኽ ኣብ ዓቢዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያን ሩባ ኣባይን ዝግበሩ ድርድራት ኣብ ፍልጠት ዝተደረኹ ንኽኾኑ ዝዓለመ ምዃኑ ገሊፀን።

“ብተፈጥሮ ዝተዓደልናዮ ፀጋ ብግቡእ ንኸይንጥቀም ንዘበናት ፅዕንቶ ኣናተገበረና ፀኒሑ ኢዩ ሕዚ እውን ይግበረና ኣሎ” ዝበላ ፕሮፌሰር ሂሩት፥ እዚ ፅዕንቶ ብፍልጠት፣ ብዲፕሎማሲ፣ ብብልሓትን ብጥበብን ረብሓን ሉኣላዊነት ሃገርን ብዝሕሉ መልክዑ ብምስራሕ ምስዓር ከምዝከኣል ኣብሪሀን።

እቲ ግድብ ኣብ ሩባ ኣባይ ዝህነፅ ብምዃኑ ድማ ምስ ተፋሰስቲ ሃገራት ሰላማዊ ድርድር ብምግባር ረብሓ ኢትዮጵያ ብዝሓለወ መገዲ ክስራሕ ከምዝግበኦ ኣገንዚበን።

ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ኣብ ከምዚ ዝበሉ ሃገራዊ ጉዳያት ግንዛበ ብምፍጣር ሓላፍነተን ክዋፅኣ ከምዝግባእ ብምሕባር እቲ መድረኽ ዘተ ቀፃሊነት ከምዝህልዎ ኣፍሊጠን።

ኣብቲ መድረኽ ዘተ፥ ፕሮፌሰር ባህሩ ዘውዴን አምባሳደር ኢብራሂም ኢድሪስን ኢትዮጵያኝን ግብፂን ኣብ ሩባ ኣባይ ዘለወን ታሪኻዊ ርክብ ዝምልከት ፅሑፍ ኣቕሪቦም ዘተ ተኻይዱሉ።

ፕሮፌሰር ባህሩ ዘውዴ ኣብ ፅሑፎም፥ ግብፂ መበገሲ ሩባ ኣባይ ምቁፅፃር ንዘበናት ዝፀንሐ ድሌት ከምዘለዋን እቲ ሃፍቲ ተፈጥሮ ንምቁፅፃር ብባዕዳዊነት ምስ ዝገዝኡዋ ሃገራት ብምዃን እውን ብዙሕ ፃዕሪ ከምዝገበረትን ገሊፆም።

ብዙሕ ግዜ ኢትዮጵያ ንምውራር ፈተነ ከምዝገበረትን ክሳኸዐላ ከምዘይከኣለትን እውን ኣብሪሆም።

ሙሁራት ግብፂ ክሳብ ሕዚ ዘልዕሉዎ መካትዒ ሓሳብ ብ1902 ዓ.ም ብሃፀይ ሚኒልክ ዝተፈረመ ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን እንግሊዝን ዝተገበረ ስምምዕነት ኣብ ሩባ ኣባይ ግድብ ንምህናፅ ኣይኽልክልን ዝበሉ ፕሮፌሰር ባህሩ፥ ኣብቲ እዋን ዝተፈረመ ውዕሊ ዓንቀፅ 3 “ኢትዮጵያብዘይ ፈቓድ ሱዳንን እንግሊዝን ማይ ኣባይ ክትደፍን ኣይትኽእልን” ዝብል ከምዝኾነ ገሊፆም።

እዚ ድማ ሕዚ እውን ቅዋም መንግስቲ ኢትዮጵያ ኢዩ ኢሎም።

ኣምባሳደር ኢብራሂም ኢድሪስ ብግደኦም፥ ኢትዮጵያ ምስ ግብፂ ተተሓሒዙ ካብ ዝገበረቶም ስምምዓት ክትቅበሎ ትኸእል ኣብ 2015 ዝተገበረ “ስምምዕነት መምርሒታት” ጥራሕ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ግብፂ ንኢትዮጵያ ዘግለሉ ስምምዓትንደምቢታትን ከም መካትዒ ከምተቕርብ ዝገለፁ እቶም ኣምባሳደር፥ ቀንዲ ምኽንያቱ ድማ ስምምዕነት 2015 ንግብፂ ካብ ፍትሓዊ ተረባሕነት ንላዕሊ ካሊእ ፍሉይ መሰል ስለዘይህባ ኢዩ ኢሎም።
ስለዝኾነ ድማ ግብፂ ካሊእ ስምምዕነት ክፍረመላ ምድላያን ቅዋም እታ ሃገር በቢእዋኑ ዝቀያየር ምዃኑ ድማ ከይዲ ናይቲ ድርድር ኣፀጋሚ ከምዝገበሮ ተዛሪቦም።

ግብፂ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ፅዕንቶ ምፍጣር ዝደለየትሉ ምኽንያት ኣብ ኢትዮጵያ ፖለቲካዊ ወጥሪ ኣሎ ብዝብል ከምዝኾነ ዝገለፁ አምባሳደር ኢብራሂም፥ “ናይ ውሽጢ ፀገማትና ብዘተ ብምፍታሕ ኣብ ብሄራዊ ረብሓና ክነድህብ ይግባእ” ክብሉ ኣተሓሳሲቦም።

ብኣልኣዛር ታደለ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.