Fana: At a Speed of Life!

ኣብ 11 ግድባት ከባቢ ዝርከቡ ነበርቲ ክለዓሉን ጥንቃቐ ክገብሩን ፃውዒት ቀሪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ምስ ክምቲ ተተሓሒዙ ግድባት ማይ እናመልኡ ስለዝኾኑ ስራሕቲ ምንካይ እናተሰርሐ ምዃኑ መበዓል መዚ ተፋሰሳት ገሊፁ።

ምስ እዚ ተተሓሒዙ ክፍጠር ዝኽእል ሓደጋ ውሕጅ ንምክልኻል፥ ኣብ 11 ግድባት ከባቢ ዝርከቡ ነበርቲ ክለዓሉን ጥንቃቐ ክገብሩን ከምዝግባእ እቲ በዓል ስልጣን ኣተሓሳሲቡ ኣሎ።

ዋና ዳይሬክተር እቲ በዓል መዚ ዶክተር ኣዳነች ያሬድ፥ ኣብ ግድባት ቆቃ፣ ግልገል ጊቤ፣ ተከዘ፣ ጣና በለስ ብፍላይ ፎገራን ደንቢያን፣ ግልግል ጊቤ 3፣ መልካ ዋከና፣ ፊንጫ፣ አመርቲነሸ፣ ከሰም፣ ማእኸላይ ኣዋሽ፣ ተንዳሆ፣ ታሕተዋይ ኣዋሽን ገናሌ ዳዋን እቲ ስራሕቲ ምንካይ ማይ ከምዝግበር ተዛሪበን።

እተን ዋና ዳይሬክተር ከምዝገለፀኦ፥ ካብ ሞንጎ እቶም ግድባት ፊንጫን ኣመርቲነሽን ስግኣት ሓደጋ ውሕጅ የብሎምን።

ብኣን ፃሩ ድማ ግድብ ከሰም ልዑል ጥንቃቐ ከምዘድሊዮም ኣገንዚበን።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.