Fana: At a Speed of Life!

ኣብ 31 ትካላት ዝተፈላለዩ ክፍተታት ድሕንነት ሳይበር ከምዝፈለየ ኤጀንሲ ድሕንነት መርበብ ሓበሬታ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኤጀንሲ ድሕንነት መርበብ ሓበሬታ ኣብ በጀት ዓመት 2012 ዓ.ም ብዝገበሮ ኦዲት ድሕንነት ሳይበር ኣብ 31 ትካላት ተቓላዕነት ጥቕዓት ሳይበር ከምዝፈለየን ክእረሙ ከምዝገበረን ገሊፁ።

ሓላፊ ኦዲት ድሕንነት ሳይበርን ኢቫሉዌሽን ዲቪዥንን እቲ ኤጀንሲ ኣይተ ደሳለኝ ወልደጊዮርጊስ፥ ኣብቲ ዝተዛዘመ በጀት ዓመት 2012 ዓ.ም ኣብ ልዕሊ 31 መንግስታዊን ዘይመንግስታዊን ትካላት ዓሚቕ ፍተሻ ድሕንነት ሳይበር ከምዝተገበረ ኣገንዚቦም።

ስለዝኾነ ድማ ኦዲት ድሕንነት ዝተገበረለን ኩለን ትካላት ክፍተት ከምዝተረኸቦምን ካብ ዝለዓለ ክሳብ ዝተሓተ ብርኪ መጥቃዕቲ ሳይበር ተቓሊዖም ከምዝነበሩን ገሊፆም።

እዚ ማለት ድማ ክፍተት ዘለዎ ሲስተም ምህላዉ፣ መሰረተ ልምዓት ሳይበር፣ ሓይሊ ሰብን ምሕደራ ድሕንነትን ሳይበር ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

ኣብተን ትካላት ዝተረኸቡ ክፍተታት ድሕንነት ሳይበር፤ ኣብ ሲስተማትን ህንፀት መሰረተ ልምዓታትትን ዝፍጠሩ ቴክኒካዊ ክፍተታት፣ ትካላት ናይ ባዕለን ፖሊሲ ድሕንነት ሳይበር ዘይምህላውን ፖሊሲ ዘለወን ድማ ብኣግባቡ ብዘይምትግባረን ከምኡ እውን ላዕለዎት ኣመራርሓታት እተን ትካላት ንመጥቃዕቲ ሳይበር ዝህቡዎ ትሑት ግምት ከምዝኾኑ ኣይተ ደሳለኝ ተዛሪቦም።

ካብ ሞንጎ እቶም ዝተፈለዩ ክፍተታት ድሕንነት ሳይበር 56 ሚኢታዊ ዝኾኑ ልዑል ጉድኣት ዘብፅሑ፣ 35 ሚኢታዊ ድማ ማእኸላይ ብርኪ ጉድኣት ከምኡ እውን 9 ሚኢታዊ ዝኾኑ ትሑት መጠን ጉድኣት ከብፅሑ ዝኽእሉ ኢዮም ተባሂሉ።

እቶም ሓላፊ ኣብ መብርሂኦም፥ ትካላት ተቓላዕነት መጥቃዕቲ ሳይበር ንምንካይ ዝተፈላለዩ ስጉምቲታት ጥንቃቐ ክወስዱ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም።

ፍልፍል፦ ኤጀንሲ ድሕንነት መርበብ ሓበሬታ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.