Fana: At a Speed of Life!

ኣይተ ኣገኘሁ ተሸገር ምስ ተወካሊት ዩኒሴፍ ኣብ ኢትዮጵያ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ነሓሰ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ኣይተ ኣገኘሁ ተሻገር ምስ ተወካሊት ትካል መድሕን ህፃናት ውድብ ሕቡራት መንግስታት (ዩኒሴፍ) ኣብ ኢትዮጵያ ኣዴል ክኾድር ተዛቲዮም።

እቶም ርእሰ ምምሕዳር ኣብቲ እዋን ዘተ፥ ዩኒሴፍ ካብ ክልል ቤኒንሻንጉል ጉሙዝ ተመዛቢሎም ኣብ እዋናዊ መዕቖቢ ቻግኒ ዝነበሩ ወገናት ብዘላቕነት ንኽጣየሹ ንዝገበሮ ሓገዝ ኣመስጊኖም።

ጉጅ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ብዝኸፈቶ ኲናት ብዙሓት ዜጋታት ከምዝተቐተሉን ብዙሓት ከምዝተመዛበሉን ነተን ተወካሊት ገሊፆምለን።

እቲ ግብረ ራዕዲ ብዝፈፀሞ ወራር፥ ህፃናት፣ ደቂ ኣንስትዮን ኣረጋውያንን ዝኸፍአ ጉድኣት እናበፅሖም ከምዝኾነን ብዙሓት መሰረተ ልምዓታት ጥዕናን ትምህርቲን ከምዝተዘረፉ እውን ኣብሪሆም።

ተወካሊት ዩኒሴፍ ኣብ ኢትዮጵያ ኣዴል ክኾድር፥ ኣብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ተመዛበልቲ ተዘዋዊረን ከምዝተዓዘባ ብምግላፅ ዩኒሴፍ ንተመዛበልቲ ቅልጡፍ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምብፃሕ ከምዝሰርሕ ምግላፀን ኣሚኮ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.