Fana: At a Speed of Life!

ኣይተ ደመቀ መኮነን ምስ ፕሬዚዳንት ማሕበር ኮሚቴታት ብሄራዊ ኦሎምፒክ ኣፍሪካ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 25 ህዳር፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ፌዴሪኢ ኣይተ ደመቀ መኮነን ምስ ፕሬዚዳንት ማሕበር ኮሚቴታት ብሄራዊ ኦሎምፒክ ኣፍሪካ(አኖካ) ሙስጠፋ ቤራፍ ተዛቲዮም።

ኮሚቴታት ማሕበር ብሄራዊ ኮሚቴ ኣፍሪካ(ኣኖካ) ቀፃሊ ዕለተ ሰንበት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዘሳልጦ ዓመታዊ ሓፈሻዊ ጉባኤ ንምስታፍ ኢዮም እቶም ፕሬዚዳንት ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣቲዮም።

ኣይተ ደመቀ ኣብ እዋን እቲ ዘተ ኣብ ክልል ከተማታት ስቴዲዮማትን ስፖርት ዝዝውተረሎም ስፍራታተን ከምዝተሃነፁ ብምግላፅ፥ ዓለም ለኻዊ ውድድራት ስፖርት ንምትእንጋድ ዓቕሚ ከምዘለዎም ገሊፆም።

ፕሬዚዳንት ሙስጠፋ ቤራፍ በግደኦም፥ ንዝተገበረሎም ገለፃ አመስጊኖም።

ኣኖካ ኣብ ኢትዮጵያ ምስ ዝምከቶም ኣካላት ብቕርበት መስርሑ ኣጠናኺሩ ከምዘቕፅል እውት ተዛሪቦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል  FBC Tigrigna ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.