Fana: At a Speed of Life!

ኣይተ ደመቀ መኮንን ምስ ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮንን ንፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ማይክ ሃመር ኣብ ቤት ፅሕፈቶም ተቐቢሎም ኣዘራሪቦም።

ኣይተ ደመቀ መኮንን፥ መንግስቲ ዘላቒ ሰላም ንኸዓስል እናወሰዶም ዝርከቡ ስጉምቲታት ነቶም ፍሉይ ልኡኽ ገሊፆምሎም።

ብመሪሕነት ሕብረት ኣፍሪካ ብነበር ፕሬዚዳንት ናይጄሪያ ኦሉሴጎን ኦባሳንጆ ኣቢሉ ንዝተጀመረ ፃሪ ሰላም፥ መንግስቲ ቆራፅ ከምዝኾነ ገሊፆም።

መንግስቲ ነቲ ድርድር ሰላም ዘለዎ ቆራፅነት ንምርኣይ ተደራዳሪ ጉጅለ ኣጣይሹ ናብ ስራሕ ከምዝኣተወ እውን ኣይተ ደመቀ መኮንን ኣብሪሆም።

ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮንን፥ ስምምዕነት ምቁራፅ ተኹሲ፣ ዘይተገደበ ሰብኣዊ ሓገዝ ተበፃሕነትን ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰል ዝፈፀሙ ኣካላት ተሓተትቲ ንምግባርን እናተወሰዱ ዝርከቡ ስጉምቲታት ተጠናኺሮም ከምዝቐፀሉ እውን ነቶም ፍሉይ ልኡኽ ገሊፆምሎም።

መንግስቲ ንሰላም ድርድር ዘለዎ ቆራፅነት እናርአየ ኣብ ዝርከበሉ እዋን ጉጅለ ህወሓት ብተፃራሪ እናርአዮ ዝርከብ ቅዋም ዘላቒ ሰላም ንምምፃእ ብመሪሕነት ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ዝካየድ ምንቅስቓስ ማሕለኻ ዝፈጥር ከምዝኾነ፤ ዓለም ለኸ ማሕረሰብ ኣብ ልዕሊ እቲ ጉጅለ ፅንቶ ክገብር ይግባእ ኢሎም።

ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ማይክ ሃመር ብግደኦም፥ መንግስቲ ዘላቒ ሰላም ንምምፃእ እናወሰዶም ዝርከብ ስጉምቲታት ንኢዶም።

ኣብ ተበፃሕነት ሰብኣዊ ሓገዝ እናተራኣየ ዝርከብ ለውጢ ዝበረታታዕ ከምዝኾ ኣብ ዘተኦም ምግላፆም ካብ ሚኒቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.