Fana: At a Speed of Life!

ኣይተ ጌታቸው ረዳ ምስ ምክትል ሓላፊ ምትሕብባር ሰብኣዊ ጉዳያት ውሕመ(ዩ ኤን ኦቻ) ዘቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ርእሰ ምምሕዳር ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ምስ ምክትል ሓላፊ ምትሕብባር ሰብኣዊ ጉዳያት ውድብ ሕቡራት መንግስታት(ዩ ኤን ኦቻ) ኣብ ኢትዮጵያ ቦንይ ምፓካ ዘቲዮም።

እቲ ዘተ፥  ኣብቲ ክልል ብዛዕባ ዘሎ ህልዊ ኩነታት ሰብኣዊ ጉዳያትን ልምዓትን ጠመተ ዝገበረ ኢዩ ተባሂሉ።

ኣይተ ጌታቸው፥ ህልዊ ኩነታት ትግራይ ንምዕዛብ ብምምፀኦም አመስጊኖም።

ዝተመዛበለ ህዝቢ ናብ መረበቱ ብዘይምምላሱ፣ ሰብኣዊ ሓገዝ ብምቁራፁን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እቲ ክልል ብመሰረት ዘጋጠመ ድርቅን ቅልውላው ህዝቢ ትግራይ ካብ እዋን ናብ እዋን ይጋደድ ኣሎ ኢሎም።

ስለዝኾነ ትካላት ገበርቲ ሰናይ ሓገዞም ንክጠናኸር ፀዊዖም።

ምክትል ሓላፊ ቦንይ ምፓካ ብግደኦም፥ ኣብ ትግራይ ኣጋጠሙ ዘሎ ድርቂ ኣብ ምቕናስን ትግራይ መሊስካ ኣብ ምሕዋይን ምስ ህዝብን መንግስትን ብምትሕብባር ከምዝሰርሕ ገሊፆም።

ኣብ መወዳእታ ኣብ ከተማ መቐለ፣ ዓዲ-ግራት ምስ መራሕቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን፣  ከባቢያዊ ተወከልቲ ህዝቢ፣ ተመዛበልትን መራሕቲ እቲ ማእከልን፣ መራሕቲ ሃይማኖት ከመዝተራኸቡ  ኣብ ቤት ፅሕፈት ርእሰ ምምሕዳር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.