Fana: At a Speed of Life!

ኣጋጢሙ ዝነበረ ሕማም ደርሆ ኣብ ትሕቲ ቁፅር ብምውዓሉ ሕብረተሰብ ደርሆን እንቋቑሖን ክጥቀም ይኽእል ኢዩ – ሚኒስቴር ሕርሻ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣጋጢሙ ዝነበረ ሕማም ደርሆ ኣብ ትሕቲ ቁፅር ብምውዓሉ ሕብረተሰብ ብዘይ ስግኣት ደርሆን እንቋቑሖን ክጥቀም ከምዝኽእል ሚኒስቴር ሕርሻ ኣፍሊጡ።

ሚኒስትር ዲኤታ ሕርሻ ዶክተር ፍቅሩ ረጋሳን ዋና ዳይሬክተር ኢኒስቲትዩት ጥዕና ሕብረተሰብ ዶክተር መሳይ ሃይሉን እቲ ጉዳይ ኣመልኪቶም ብሓባር መግለፂ ሂቦም።

ዶክተር ፍቅሩ ረጋሳ፥ ኣብ ዝሓለፈ መእተዊ ወርሒ ሰነ ኣብ ምዕራብ ኣዲስ ኣበባ ዘጋጠመ ለበዳ ሕማም ደርሆ ኣብ ከባቢታት መራብሒ ደርሆ ልዑል ጉድኣት ከምዘብፀሐ ገሊፆም።

እቲ ሕማም ምሰጋጠመ ካብ ሚኒስቴር ሕርሻ፣ ኢኒስቲትዩት ጥዕና ሕብረተሰብ ኢትዮጵያን ካልኦት መዳርግቲ ኣካላትን ዝውፃእፀአ ግብረ ሓይሊ ተጣይሹ ዝርገሐ እቲ ለበዳ ሕማም ንምግታእ ቅልጡፍ ምላሽ ከምዝተወሰደ ኣብሪሆም።

ኣብቲ እዋን ንኣገልግሎት ምርባሕ ደርሆ ካብ ወፃኢ ዝኣቱ ዝለምዐ እንቋቑሖን ውፅኢት ደርሆን ኣብ ዘለዎ ንኽግታእ መምርሒ ጥንቃቐ ንዝምልከቶም ኣካላት ተመሓላሊፉ ከምዝነበረ ኣዘኻኺሮም።

ሕበርተሰብ እውን ጥንቃቐ ንኅገብር ፃውዒት ተመሓላሊፉ ከምዝነበረ ገሊፆም።

እቲ ሕማም ንምቁፅፃር ብዝተሰሳለጡ ተግባራት ኣብ ቁፅፅር ክውዕል ከምዝኸኣለ ተዛሪቦም።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ዝኾነ ይኹን ስግኣት ሕማም ደርሆ ስለዘየለ ሕብረተሰብ ደርሆን እንቋሖን ብዘይ ስግኣት ክጥቀም ከምዝኽእል፤ ኣርባሕቲ ደርሆ እውን ብሙሉእ ዓቕሞም ደርሆ ብምርባሕ ናብ ዕዳጋ ንኸቕርቡ ከምዝተወሰነ እቶም ሚኒስትር ዲኤታ ኣፍሊጦም።

ዋና ዳይሬክተር ኢኒስቲትዩት ጥዕና ሕብረተሰብ ዶክተር መሳይ ብግደኦም፥ እቲ ሕማም ካብ ዝውላዕ ጀሚሩ ኣብ ልዕሊ ጥዕና ሰባት ዘስዐቦ ጉድኣት እንተልዩ ንምፍላይ ላዕለዎት ሰብ ሞያ ጥዕና ተመዲቡ ብዝተገበረ መፅናዕቲ ኣብ ልዕሊ ሰባት ጉድኣት ከምዘየጋጠመ ተዛሪቦም፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.