Fana: At a Speed of Life!

ኣፍሪካውያን በፃሕቲ ካብ መወዳእታ 2023 ዓ.ም.ፈ ጀሚሩ ብናፃ-ቪዛ ናብ ኬኒያ ክጓዓዙ ኢዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኬንያ ኣብ መወዳእታ 2023 ዓ.ም.ፈ ንኵሎም ኣፍሪካውያን በፃሕቲ ናፃ-ቪዛ ክትከውን ምዃና ፕሬዚደንት እታ ሃገር ዊልያም ሩቶ ገሊፆም።

እቶም ፕሬዚዳንት፥ ኣብ መንጐ ኣፍሪካዊያን ናይ ቪዛ ገደብ ምህላው ይጐድኣና ከምዘሎ ክንርድኣሉ ዝግባእ ግዜ’ዩ ኢሎም።

ዛዕባ ቪዛ፡ ንዝሓለፉ ዓሰርተ ዓመታት ኣጀንዳ ሕብረት ኣፍሪካ ኰይኑ ምፅንሑ ይዝከር።

ብመሰረት እዚ፥ ሲሸልስ፣ ጋምብያን ቤኒንን ብዘይ ቪዛ ንዅሎም ኣፍሪካውያን ዜጋታት መእተዊ ይህባ ኣለዋ።

ፕረዚደንት ሩቶ ኣብ ኮንጐ-ብራዛቪል ኣብ ዝተሳለጠ መድረኽ፥ ናይ ቪዛ ገደብ ምህላው  ንንግዲ ኣዝዩ ሕማቕ ምዃኑ ገሊፆም።

ተጓዓዝቲ፣ ነጋዶ፣ ሰብ ሃብቲ ብነፃ ክጓዓዙ ኣብ ዘይክእሉሉ እዋን ኵላትና ከሰርቲ ጥራይ ኢና ክብሉ እውን ኣፅንኦት ምሃቦም ቢቢሲ ፀብፂቡ።

ስለዝኾነ “ካብ መወዳእታ ናይዚ ዓመት ጀሚሩ ዝዀነ ኣፍሪካዊ ናብ ኬንያ ንምምፃእ ቪዛ ክሕዝ ኣይክግደድን ብምባል፥ “ደቅና ኣብ ዶባት ኣውሮፓ ዝዕፀውዎ ከይኣኽሎም ኣብ ኣፍሪካ’ውን ኣብ ዶባት ክዕፀዉ የብሎምን ኢሎም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.