Fana: At a Speed of Life!

ኤግዚቢሽንን ጉባኤን በዓል ፍሉይ ጣዕሚ ቡን ኣፍሪካ ከምዝካየድ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ) መበል 20 ኤግዚቢሽንን ጉባኤን በዓል ፍሉይ ጣዕሚ ቡን ኣፍሪካ ካብ 28 ጥሪ ጀሚሩ ንሓሙሽተ መዓልቲታት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣዳራሽ ሚሊኒየም ከምዝካየድ ተገሊፁ።

ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ ቡንን ሻሂን ኢትዮጵያ ኣዱኛ ደበላ (ዶ/ር) ከምዝበሉዎ÷ ኣብቲ መርሃ-ግብሪ ካብ 25 ሃገራት ዝተውፃእፅኡ 800 ኣፍረይቲ ቡንን ዓደግቲ ትካላትን ክሳተፉ ኢዮም።

እቲ መርሃ-ግብሪ÷ ኢትዮጵያ ዘለዋ ሃፍቲ ቡን ተፋልጠሉ፣ ቡን ዘፍርዩ ሓረስቶት ፍርያቶም ብምፍላጥ ናብ ወፃኢ ዕዳጋ ንኸቕርቡ ምትእስሳር ዝፈጥሩሉ ከምዝኸውን እውን ገሊፆም፡፡

ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝመፅኡ ኣጋይሽ ኣብ ክልላት ሲዳማን ኦሮሚያን ዝርከቡ ኣፍረይቲ ቡን ከባቢታት ዑደት ክገብሩ ኢዮም ምባሎም ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

“ፍሉይ ጣዕሚ ቡን ዝርከበላ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ዝካየድ ጉባኤ÷ ዓለም ለኸ ዓደግቲ ቡን፣ ሙሁራንን ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲን ከምዝርከቡ ኣብሪሆም፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.