Fana: At a Speed of Life!

እንትነገልግል ብሩህ ተስፋ ሃገርና እናሓሰብና ይኹን – ለገሰ ቱሉ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ጳጉሜን፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)“እንትነገልግል ብሩህ ተስፋ ሃገርና እናሓሰብና ይኹን” ክብሉ ሚኒስትር ግልጋሎት ኮሙኒኬሽን ለገሰ ቱሉ (ዶ/ር) ገሊፆም።

1 ጳጉሜን መዓልቲ ኣገልጋላይነት ኣብ መላእ ሃገር ይኽበር ኣሎ፡፡

ለገሰ ቱሉ (ዶ/ር) መዓልቲ ኣገልጋላይነት ኣመልኪቶም ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ÷ “ምግልጋል ክብሪ ኢዩ፤ ከም ኢትዮጵያ ኣብ ብዙሕ ተስፋን ፈተናና ዘላ ሃገር ምግልጋል ድማ ድርብ ክብሪ ኢዩ” ክብሉ ገሊፆም፡፡

“ኣብ መላእ ሃገርና ናይ ሎሚ ዕለት እንትነኽብር ንሃገርና ኣብ ዘዝተዋፈርናሉ ዓውዲ ውፅኢታዊ ዝኾነ ግልጋሎት ብመሃብ ናይ ባዕልና ኣሰር እናዕረፍና ከምዝኾንና ብምእማን ክኸውን ይግባእ ክብሉ ኣገንዚቦም፡፡

ኢትዮጵያ ልዕሊ 2 ነጥቢ 4 ሚሊየን ሰራሕተኛታት መንግስቲ ከምዘለዉዋ ዝሓበሩ እቶም ሚኒስትር÷ እዚ ቁፅሪ ቀለልቲ ናይ ዘይበሃል ሃገራት ቁፅሪ ህዝቢ ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡

ልምዓትን ቀፃሊ ምዕባለን ኢትዮጵያ ኢሉ እውን መሰረት ሰላም ንምምፃእ÷ ኣወሃህባ ግልጋሎት ዘለዎ ግደ ብቐሊሉ ዝረአ ከምዘይኮነ ኣብሪሆም፡፡

“ቀፃሊ ዝኾነ ዕቤት ኢኮኖሚ ንምርግጋፅ ቅልጡፍ ዝኾነ ግልጋሎት ምሃብ ከምዘድሊ ንፃት እውን እንተኾነ ክርሳዕ ዘይግበኦ ጉዳይ ኢዩ” ዝበሉ እቶም ሚኒስትር÷ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ብብዙ ውሽጣዊን ዓለም ለኻዊን ፈተናታት እናተፈተነ ካብ ዓለም ኣብ ቅልጡፍ ዕቤት በፈጣን እድገት ዝርከባ ሃገራት ዝምደብ ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡

“ብምትሕብባርን ብመንፈስ ሕብረትን እናፈታሕና፣ ኣወሃህባ ግልጋሎትና እነዘመንና ንቕድሚት እንተሰጒምና ዝማዕበለት ኢትዮጵያ ጋህዲ ምግባርን ዘይተርፍ ኢዩ” ክብሉ ኣረጋጊፆም፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.