Fana: At a Speed of Life!

ካልኣይ ውድድር ሽልማት ብሩጀህ ሓሳብ ፈጠራ ንግዲ ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሚኒስቴር ስራሕን ክእለትን ብዝተገበረ ሃገር ለኸ ፃውዒት  እናተኻየደ ዝነበረ ውድድርን ስልጠናን ተዛዚሙ ካብ ሞንጎ ዝተመዝገቡ 462 ሓሳባት እቶም 30 ንሽልማት በቒዖም።

እቲ ሽልማት ዘበርከታ ሚኒስትር ስራሕን ክእለትን ወይዘሮ ሙፈሪያት ካሚል፥ “ዝተመልከትናዮም ሓሳባት ፈጠራን ውፅኢታትን ሓጊዝካ ናብ ስራሕ ምቕያር እንተተኻኢሉ ከም ሃገር ብሩህ ዝኾነ እዋን ከምዝፅበየና ዘርኢ ኢዩ” ኢለን፡፡

እቶም መናእሰይ ቁፅሮም ውሑድ ይምሰል እምበር ኢትዮጵያ ዘይተነኽኡ ዓሞቕቲ ዓቕሚታት ከምዘለዉዋ መርኣያ ከምዝኾኑ ተዛሪበን፡፡

በቶም መናእሰይ ዝተምሃዙ ሓሳባት ስራሕ ንባዕሎምን ካልኦትን ዕድል ስራሕ ንምፍጣር ዓቢዪ ጉልበት ዘለዎም ከምዝኾኑ ዝሓበራ እተን ሚኒስትር፥ መናእሰይ ዝገጥሙዎም ማሕለኻታት ተፃዊሮም ንኻልኦት ተስፋ ንኽኾኑ ኣተሓሳሲበን፡፡

እቲ ውድድር ምስ ፕሮግራም ልምዓት ውድብ ሕቡራት መንግስታትን ፋውንዴሽን ማስተር ካርድን ብምትሕብባር ዝካየድ እንትኸውን፥ ተሸለምቲ ንፈጠራ ሓሳብ ንግዶም 5 ሺሕ ዶላር ሽልማት ከምዝተበርከተሎም ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.