Fana: At a Speed of Life!

ካልኣይ ዙር ሰብኣዊ ደገፍ 71 ሚኢታዊ ከምዝተወዘዐ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ጥሪ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ብምኽኒያት ጎንፂ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ጉድኣት ንዘጋጠሞም ዜጋታት ዝቐርብ ዘሎ ካልኣይ ዙር ሰብኣዊ ደገፍ 71 ሚኢታዊ ከምዝተወዘዐ ተገሊፁ።

ክሳብ ሐዚ ኣብ ካልኣይ ዙር 239 ሺሕን 628 ሜትሪክ ቶን ምግቢ ምክፍፋሉ ዳይሬክተር ርክብ ህዝቢ ኮሚሽን ሓደጋ ስራሕ ኣመራርሓ ደበበ ዘውዴ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ተዛሪቦም።

እቲ ኣብ ክልል ትግራይ፣ ኣምሓራን ዓፋርን ዝቐርብ ድጋፍ፥ ብመንግስቲ፣ ፕሮግራም ምግቢ ዓለም፣ መንግስታዊ ዘይኮኑ ትካላት ጥምረትን ጊዝያዊ ክፍተት ዝዓብሱ ካልኦት መዳርግቲ ኣካላትን ዝቐርብ ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

እቶም ኣካላት ን8 ሚሊየን 358 ሺሕን 196 ሰባት ደገፍ የቕርቡ ከምዘለዉ ተዛሪቦም።

ምግቢ፣ ሃነፅቲ ምግብታት፣ መድሓኒት፣ መፅለሊን ናውቲታት ትምህርቲን፣ ናይ ፅሩይ ማይን ንፅህናን መሐለዊ፣ እታዎታት ሕርሻ ከምኡውን ነዳዲ ዘካተተ ከምዝኾነ ኣይተ ደበበ ተዛሪቦም።

ናብ መቐለን ሽረን 1 ነጥቢ 6 ቢሊየን ብር ገንዘብ ብነፈርቲ ከምዝተልኣኸ ሓቢሮም።

1 ሚሊየንን 113 ሺሕን 961 ሊትሮ ነዳዲ ብ29 መዳርግቲ ኣካላት ኣቢሉ ምቕራቡ ተሓቢሩ።

መንግስቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ፅዕንቶታት ብምዃን ብናይባዕሉ ዓቕሚን ብናይ መዳርግቲ ኣካላትን ምትሕብባር ዝግበር ደገፍ ተጠናኺሩ ንክቕፅል ይሰርሕ ከምዘሎ ገሊፆም።

ብዮሐንስ ደርበው

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.