Fana: At a Speed of Life!

ካፒቴን ቃልኪዳን ግርማ መዓርግ ዋና ኣብራሪት ኤርባስ ኤ-350 ብምርካብ ፈላመይቲ እትዮጵያዊት ጓል ኣንስተይቲ ኮይና

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ካፒቴን ቃልኪዳን ግርማ ኣብ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ መዓርግ ዋና ኣብራሪት ኤርባስ ኤ-350 ብምርካብ ፈላመይቲ እትዮጵያዊት ጓል ኣንስተይቲ ኮይና።

እቲ መገዲ ኣየር፥ ካፒቴን ቃልኪዳን ንዝበፅሐቶ ብርኪ ዓወት መልእኽቲ እንኳዕ ኣሐጎሰኪ ኣመሓላሊፉ።

ካፒቴን ቃልኪዳን ግርማ ቅድሚ ሕዚ ብዋና ኣብራሪነት ኣውሮፕላን ቦይንግ 737 እናሰርሐት ምፅናሓ እቲ መገዲ ኣየር ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ገሊፁ።

ሕዚ ድማ ዘበናዊ ዝኾነ ኤርባስ ኤ-350ን ብዋና ኣብራሪት ንኽተብርር መዓርግ ምርካባ ገሊፁ ኣሎ።

መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፥ ሙሉእ ብሙሉእ ብደቂ ኣንስትዮ ዝምራሕ በረራ ንፈለማ እዋን ናብ ዋሸንግተን ዲሲ፣ ኦስሎን ካልኦት ከተማታትን በምግባሩ ይዝከር።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.