Fana: At a Speed of Life!

ክልል ኣምሓራ ብፅንፈኛን ወራሪ ጉጅለን ካብ ዘንፀላለዎ ናይ ስርቂ፣ ዕንወትን ሓደጋ ምፍራስን ብምውፃእ ናብ ንቡር ኩነታት ይምለስ ከምዘሎ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20  ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ላዕለዋይ እዚ መምርሒ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ኣብ እዋናዊ ኩነታት ፀፅታ ክልል ኣምሓራ  ዝጠመተ መግለፂ ቁፅሪ ኣርባዕተ ሂቡ።

እቲ ላዕለዋይ እዚ መምርሒ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ፥ ክልል ኣምሓራ ብፅንፈኛን ወራሪ ጉጅለን ካብ ዘንፀላለዎ ናይ ስርቂ፣ ዕንወትን ሓደጋ ምፍራስን ብምውፃእ ናብ ንቡር ኩነታት ይምለስ ከምዘሎ ገሊፁ።

ኣብቲ ክልል ኣንፃራዊ ሰላም ከምዝዓሰለ ብምግላፅ፥ ቤት ምኽሪ ክልል ኣምሓራ ህፁፅ ጉባኤ ብምክያድ ዝረኣዩ ፀገማት ብዘላቕነት ዝፈትሕ ምምሕዳር ከም ብሓዱሽ ምውዳቡ ኣብሪሁ።

እቲ ጉባኤ ንክካየድ ኣስተዋፅኡ ንዝገበሩ ኣመራርሓ ኮማንድ ፖስት፣ መሓዉር መንግስቲ እቲ ክልል፣ ህዝቢ ኣምሓራን ኣባላት ቤት ምኽሪ ኣምሓራን አመስጊኑ።

ኣብቲ ክልል ዝተገበረ ሓዱሽ ኣወዳድባ ምምሕዳር፥ ፀገማት ህዝቢ ብሓይሊ ዘይኮነስ ብዘተ፣ ድርድርን ሰላማዊ መገዲን ንምፍታሕ ዘለሎ ቅዋም ዘረጋገፀ ኢዩ ኢሉ።

እቲ ሓዱሽ ምምሕዳር፣ ቀፀሊ ዘበነ ስርሑ ሰላመዊ፣ ልምዓታዊ፣ ዕዉትን ምዕቡልን ንክኾነሉ ተመኒዩ።

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.