Fana: At a Speed of Life!

ዩኒሴፍ ኣብ ስራሕቲ ልምዓትን ሰብኣዊነትን ኢትዮጵያ ደገፍ ንምግባር ድልው ከምዝኾነ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስተር ገንዘብ ኣሕመድ ሽዴ ምስ ምክትል ዋና ዳይሬክተር ትካል ሰብኣዊ ሓገዝን ቀረበን ህፃናት ውድብ ሕቡራት መንግስታት(ዩኒሴፍ )  ኢድዋርድ ቻይበን ዘቲዮም።

ኣብ እዋናዊ ኩነታት ልምዓትን ሰብኣዊ ሓገዝን ኢትዮጵያ ጠመተ ዝገበረ ዘተ ከምዝገበሩ ተገሊፁ።

ብተወሳኺ ኣብ ኢትዮጵያ ዘጋጥሙ ህፁፃት ፀገማት ንምፍታሕ ኣብ ዝግበሩ ተግባራት መልዛቦም ኣብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ክልቲኦም ወገናት፥ ዓለም ለኸ ትካላት ብምኽኒያት ድርቅን ካልኦት ፀገማትን ሓገዝ ንዝደሊዩ ወገናት ህፁፅ ሰብኣዊ ሓገዝ ምግባር ከምዘለዎም ኣገንዚቦም።

ዩኒሴፍ ኣብ ስራሕቲ ልምዓትን ሰብኣዊነትን ኢትዮጵያ ደገፍ ንምግባር ድልው ከምዝኾነ ኢድዋርድ ቻይበን ገሊፆም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.