Fana: At a Speed of Life!

ደቡብ ሱዳን ኢትዮ ቴሌኮም ኣብ ዓውዲ ቴሌኮም ንዝገብሮ ተሳትፎ ኣድላዪ ሓገዝ ከምትገብር ገሊፃ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 12 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ብዋና ፈፃሚት ስራሕ ኢትዮ ቴሌኮም ፍሬህይወት ታምሩ ዝተመርሐ ላዕለዋይ ልኡኽ ኢትዮ ቴሌኮም ኣብ ደቡብ ሱዳን ዑደት ስራሕ ገይሩ፡፡

እቲ ልኡኽ ምስ ሰብ መዚ ኢንፎርሜሽን ደቡብ ሱዳን፣ ሚኒስትር ኮሙዩኒኬሽንን ኣገልግሎት ፖስታን፣ ብሄራዊ ኮሙዩኒኬሽን፣ ካልኦት ሚነስትራት ደቡብ ሱዳንን ላዕለዎት መራሕቲን ተዛቲዩ።

ኣብ ደቡብ ሱዳን ዘሎ ጠለብ መሰረተ ልምዓት ተሌኮም ከምኡ እውን ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ኣሓት ሃገራት ብምትሕብባር ክሳለጡ ብዛዕባ ዝኽእሉ ህንፀፅ መሰረተ ልምዓታት ቴሌኮም ኣመልኪቶም ተዛቲዮም፡፡

ሰብ መዚ ደቡብ ሱዳን÷ ኢትዮ ቴሌኮም ኣብ ደቡብ ሱዳን ዘሎ ዕዳጋ ቴሌኮም ንምዕዛብ ዘሎ ድሌት ብምንኣድ ኢትዮ ቴሌኮም ኣብቲ ዓውዲ ንዝገብሮ ተሳትፎ ኣድላዪ ዘበለ ሓገዝ ንምግባር ድሉዋት ከምዝኾኑ ገሊፆም።

ዋና ፈፃሚት ስራሕ ኢትዮ ቴሌኮም ፍሬህይወት ታምሩ ብግደአን÷ እቲ ትካል 128 ዓመት ዘለዎ በዓል ፀጋን ካብ ኣፍሪካ ፈላማይ ኦፕሬተር ቴሌኮምን ከምዝኾነ ኣብሪሀን፡፡

እቲ ልኡኽ ኣብ እዋን ዑደቱ÷ ምስ ሓለፍቲ ንግዲ ባንኪ ኢትዮጵያን መገዲ ኣየር ኢትዮጵያን ኣብ ደቡብ ሱዳን ዘለዎም ምንቅስቓስ ቢዝነስን ተሞክሮን ኣመልኪቱ ከምዝተመያየጠ ካብ ኢትዮ ቴሌኮም ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.