Fana: At a Speed of Life!

ዱራቢሊስ ዝተብሃለ ዓለም ለኸ ለኣኺ ትካል ፍርያት ኣቦካዶ ኢትጵያ ናብ ዕዳጋ ወፃኢ ምቕራብ ጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 18 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ዱራቢሊስ ዝተብሃለ ዓለም ለኸ ለኣኺ ትካል ኣብ ኢትጵያ ዝፈረየ ኣቦካዶ ንፈለማ እዋን ብዕዉት ኩነታት ናብ ዕዳጋ ወፃኢ ምቕራብ ከምዝጀመረ ኣፍሊጡ።

እቲ ፍርያት ኣቮካዶ ናብ እንግሊዝ፣ ኣውሮፓን ማእኸላይ ምብራቕን ብዕዉት ኩነታት ከምዘብፀሐ ገሊፁ።

እቲ ትካል ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረምን ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና ወርሒ ጥቅምቲን ኢዩ ምልኣኽ ጀሚሩ ዘሎ።

ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ዓሚቕ ዓቕሚ ፍርያት ሕርሻ ኣብ ግምት ብምእታው፥ ኣብ ፍርያት ኣቮካዶ ዝተጀመረ ውፅኢታዊ ከይዲ ብምርኣይ ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣውሮፓ ክቐርቡ ዝኽእሉ ፍርያታት ሕርሻ ምልኣኽ ከምዝጅምር እውን እቲ ትካል ገሊፁ።

750 ኪሎ ሜትሮ ንውሓት ዘለዎ መሰረተ ልምዓት ትራንስፖርት ባቡር፥ እቶም ፍርያታት ናብ ዕዳጋ ወፃኢ ንምቕራብ ዓቢዪ መማረፂ ኢዩ ኢሉ።

ብሓፈሻ ፍርታት ካብ ኢትይዮጵያ ተበጊሶም ናብ ዕዳጋ ኣውሮፓ ንምብፃ 30 መዓልቲታት ዝውድእ ስለዝኾነ፥ ኣብ ቀፃሊ እቲ ፃንሒት ናብ 24 ሰዓት ንምሕፃር ዘኽእል ዕድል ከምዘሎ ተገሊፁ።

እቲ ትካል፥ ኢትዮጵያ ልሙዕ ሓመዳ፣ ምቹው ፀባይ ኣየራ፣ ብዙሕ ቀረብ ማይን ኣንፃራዊ ክፍሊት ሰራሕተኛታትን ስለዘለዋ ብዓውዲ ሕርሻ ክለምዕ ዝኽእል ሰፊሕ ዕድል ከምዘለዋ እውን ኣብሪሁ።

ፍልፍል፡- www.fpcfreshtalkdaily

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.