Fana: At a Speed of Life!

ጋንታ ሊቨርፑል ንኒውካስትል ብምስዓር መሪሕነታ ኣጠናኺራ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ናይ መወዳእታ ፀወታ መበል 20 ሰሙን ፀወታ ፕሪሚዬር ሊግ እንግሊዝ ጋንታ ሊቨርፑል ንኒውካስትል ብምስዓር መሪሕነታ ኣጠናኺራ።

ኣብ ሜዳኣ ንጋንታ ኒውካስትል ዘተኣናገደት ሊቨርፑል 4 ን 2 ብዝኾነ ውፅኢት ብምስዓር ዓወት ኣመዝጊባ።

ሊበርፑል ንኽትዕወት ሞሃመድ ሳላህ ኣብ መበል 49 ደቒቕ ብፀወታን ኣብ መበል 86 ደቒቕ ብፍፁም ቅላዕን እንተመዝግብ÷ ጆንስ ኣብ መበል 74 ደቒቕን ጎዲ ጋክፖ ኣብ መበል 78 ደቒቕን ኣመዝጊቦምወን።

ኣሌክሳንደር ኢሳቅ ኣብ መበል 54 ደቒቕ ከምኡ እውን ቦትማን ኣብ መበል 81 ደቕቕ ንኒውካስትል ካብ ስዕረት ዘየድሐና ሸቶታት ኣመዝጊቦምወን።

ነዚ ስዒቡ ድማ ሉቨርፑል ኣብቲ ሊግ ዘለዋ መሪሕነት ናብ ሰለስተ ነጥቢ ክብ ኣቢላቶ፡፡

ሉቨርፑል ብ45 ነጥቢ ቀዳመይቲ፣ ኣስቶንቢላ 42 ነጥቢ ብመሓዝ ካልአይቲ፣ ሓደ ፀወታ ዝተርፋ ማንቸስተር ሲቲን ኣርሰናልን ድማ ብ40 ነጥቢ ሳልሳይን ራብዓይ ደረጃ ሒዘን ይርከባ።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.