Fana: At a Speed of Life!

ግልጋሎት ሕክምና ካንሰር ጡብ ኣብ 12 ሆስፒታላት እናተውሃበ ከምዝኾነ ሚኒስቴር ጥዕና ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ግልጋሎት ሕክምና ካንሰር ጡብ ኣብ 12 ሆስፒታላት እናተውሃበ ከምዝኾነ ሚኒስቴር ጥዕና ገሊፁ።

ሚኒስቴር ጥዕና ፌዴሪኢ፥ ብብርኪ ዓለም ዝኽበር ወርሒ ካንሰር ጡብ ብዝምልከት “ኣጥዋቶም ብኢድ ብምድህሳስን ብምርማርን ሕማም ካንሰር ጡብ ይከላኸሉ” ብዝብል መሪሕ ቃል ሎሚ መዓልቲ መግለፂ ሂቡ።

ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ፥ ካንሰር ጡብ ኣብ ኢትዮጵያ ብልዑል መጠን እናወሰኸ ምዃኑ ገሊፀን።

እተን ሚኒስትር 65 ሚኢታዊ ዝኾኑ በቲ ሕማም ዝተትሓዙ ሰባት፥ ደንጉዮም ናብ ትካላት ጥዕና ምምፀኦም ዓብዪ ፀገም ከምዝኾነ ኣብሪሀን።

እኹል ዝኾነ ማእኸል ሕክምና ካንሰር ጡብ ዘይምህው እውን ካሊእ ፀገም ከምዝኾነ ኢየን ዝገለፃ።

ሚኒስቴር ጥዕና ሕክምና ካንሰር ጡብ ብዝበለፀ ተበፃሒ ንምግባር ሓኻይም ብምስልጣን ኣብ 12 ናይ ክልል ሆስፒታላት ግልጋሎቱ እናሃበ ከምዝርከብ ገሊፀን።

እዚ ድማ ኣብ ሆስፒታል ጥቁር ኣንበሳ ዘሎ ፅዕንቶ ብልዑል መልክዑ ካብ ምንካዩ ንላዕሊ፤ ንሕክምና ኬሞ ዘድሊ ሽዱሽተ ወርሒ መጠባበቒ ግዘ ትሕቲ ክልተ ሰሙን ክኸውን ገይሩዎ ኢዩ ኢለን።

ካብዚ ብተወሳኺ ህንፀት ሽዱሽተ ትካላት እናተሳለጠ እንትኸውን ኣብ ዝቕፅሉ ክልተን ሰለስተን ኣዋርሕ ናብ ስራሕ ከኣትዉ ኢዮም ዝብል ትፅቢት ከምዘሎ ገሊፀን።

ብቅድስት ብርሃኑ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.